ካብ ቀይዲ ፖሊስ ኣምሊጡ ዝነበረ ኬንያዊ ቐታሊ ቆልዑ ብዕስለ ሰባት ተቐቲሉ

ማስተን ዋንጃላ

ምንጪ ስእሊ, Directorate of Criminal Investigations - Kenya

መግለጺ ስእሊ, ማስተን ዋንጃላ ልዕሊ 10 ቆልዑ ምድንዛዙን ምቕታሉን ተኣሚኑ
Published

እቲ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ካብ ቀይዲ ፖሊስ ዝሃደመ፡ ብዙሓት ቆልዑ ምቕታሉ ዝተኣመነ ማስተን ዋንጃላ ኣብ ምዕራብ ኬንያ ብዕስለ ሰብ ከም ዝተቐትለ ተገሊጹ።

ማስተን ዋንጃላ ኣብ ከተማ ቡንጎማ ኣብ ሓደ ገዛ ምህላው ዝተጸናጸንዎ ሰባት ቀጥቂጦም ከም ዝቐተልዎ ሓቢሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት፡ እቲ ውልቀሰብ ልዕሊ 10 ኣወዳት ቆልዑ ከም ዝቐተለ ንፖሊስ ቃሉ ሂቡ ነይሩ።

ዋንጃላ ብረቡዕ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ እኳ እንተነበሮ ካብቲ ንልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ተታሒዙሉ ዝጸንሐ መደበር ፖሊስ ምህዳሙ ምስ ተፈለጠ ፖሊስ ሰፊሕ ኣለሻ ምጅማሩ ገሊጹ እዩ።

ዋንጃላ ነቶም ቆልዑ የደንዝዞምን ናይ ገሊኦም ድማ ደሞም'ውን ምስታዩ'ውን ተኣሚኑ ነይሩ።

ሓደ ምስክር ዓይኒ ንጋዜጣ ስታንዳርድ ኬንያ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ዋንጃላ ወለዱ ናብ ዝቕመጡሉ ዓዲ ከም ዝኸደ ዝገልጽ ወረ ከም ዝተሰምዐን ጎረባብቲ ኣብቲ ገዛ ከም ዝረኸብዎን ተዛሪቡ።

ኣዛዚ ፖሊስ ቡንጎማ ብወገኑ ነታ ጋዜጣ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ውልቀሰብ ናብ ካልእ ገዛ ብምቅያር ነቶም ዝተጠራጠሩ ነበርቲ እቲ ከባቢ ከደናግር ከም ዝፈተነ ገሊጹ።

ሙሰዮኪ ሙቱንጊ ወሲኹ፡ "ካብ ናይሮቢ ክሳብ ኣብዚ ዓዱ ከመይ ጌሩ ክመጽእ ከም ዝኸኣለ ኣይንፈልጥን። ዝተጠራጠሩ ነበርቲ እዮም፡ ፖሊስ ዝኾነ ሓበሬታ ከይበጽሖ፡ ኣለልዮም ዝቐተልዎ" ኢሉ።

ምስ ምጥፋእ ዋንጃላ ብዝተኣሳሰር ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ጆጎ ሮድ ስራሕ ዝነበሩ ሰለሰተ ኣባላት ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለው።

ፖሊስ እቲ ክሱስ ካብ ቀይዲ ምምላጡ ኣብቲ ንጉሆ ዝገብሮ ምቁጽጻር (ፎልዮን) እዩ ፈሊጡ።

ዋንጃላ ካብ ቀይዲ ፖሊስ ምምላጡ ኣብ ኬንያ ስንባድ ክፈጥር እንከሎ፡ ኣዛዚ ፖሊስ እታ ሃገር ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዝጠልብ ጻውዒት ይውስኽ ኣሎ።