ኢትዮጵያ፡ ብህዝባዊ ተቓውሞ ደው ኢሉ ዝነበረ ማሕረዲ ኣእዱግ ኣሰላ ዳግማይ ስራሕ ጀሚሩ ዶ ይኸውን?

ሳር የሚግጡ አህዮች
Published

ኣብታ ካብ ኣዲስ ኣበባ 164 ኪሜ ንሸነኽ ደቡብ ርሒቓ እትርከብ ከተማ ኣሰላ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመታት ተሃኒጹ ስራሕ ዝጀመረ፡ እንተኾነ ግና ካብቲ ሕብረተሰብ ብዝመጸ ተቓውሞ ስርሑ ደው ከብል ተገዲዱ ዝነበረ ማሕረዲ ኣእዱግ ዳግማይ ስርሑ ምጅማሩ ነበርቲ ንቢቢሲ ገሊጾም።

ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ነባሪ እታ ከተማ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "እቲ ፋብሪካ ብሕቡእ ኣእዱግ ይሓርድ ከምዘሎ ኣብቲ ፋብሪካ ዝሰርሕ ዓርከይ ኣረጋጊጹለይ ኣሎ" ኢሉ።

ዳይሬክተር ናይቲ ኣብ ድሕንነት ኣእዱግ ዝነጥፍ ዘይመንግስታዊ ትካል፡ 'ዶንኪ ሳንቹወሪ ኢትዮጵያ' ዝኾነ ዶክተር ቦጂኣ ሂንደቡ ብወገኑ፡ እቲ ፋብሪካ ዳግማይ ስራሕ ምጅማሩ ብዝምልከት ካብ ነበርቲ እቲ ከባቢ ሓበሬታ ከም ዝበጽሖም ብምግላጽ፡ ነቲ ሕቶ ናብ ሚኒስትሪ ሕርሻ እኳ እንተኣቕረቡ፡ እቲ ፋብሪካ ኣይተኸፈተን ዝብል ምላሽ ከም ዝተወሃቦም ተዛሪቡ።

እቲ ትካል ግብረሰናይ ነቲ ፋብሪካ ብቐጥታ ናይ ምቁጽጻርን ምሕታትን ሓላፍነት ከም ዘይብሉ ብምዝኽኻር፡ ኣብቲ ከባቢ ብዝርከቡ ጋዜጠኛታትን ነበርትነ ነቲ ጉዳይ ንምጽራይ ይንቀሳቐሱ ምህላዎም'ውን ገሊጹ።

ሓላፊት ቤትጽሕፈት ወፍሪ ከተማ ኣሰላ ወ/ሮ ቀመርያ ሳኖ፡ ኣብታ ከተማ ዝርከብ ማሕረዲ ኣእዱግ ስራሕ ብዛዕባ ምጅማሩ ዝበጽሓኒ ሓበሬታ የሎን ኢላ።

"እቲ ፋብሪካ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት እዩ ተዓጽዩ፤ ንሕና'ውን ክሳዕ ሕጂ ከም እተዓጽወ ኢና እንፈልጥ፤ ነቲ ፋብሪካ ፍቓድ ዝሃቦ መንግስቲ ፌደራል እዩ። ሕጂ'ውን እቲ ፍቓድ ክቕጽል ድዩ ክቋረጽ ዝውስን ንሱ እዩ። ንሕና ግና ክሳዕ ሕጂ ብዘሎና ሓበሬታ፡ እቲ ፋብሪካ ናብ ስራሕ ከም ዘይተመለሰ ኢና እንፈልጥ" ኢላ።

እቲ ፋብሪካ ብሕቡእ ማሕረዲ ኣእዱግ ይፍጽም ኣሎ ንዝብል ብኣካል ኣብ ቀጽሪ እቲ ፋብሪካ ኬድና ክነጻሪ ኢና ክትብል ሓቢራ።

ካብ 'ዶንኪ ሳንችወሪ' ዝተረኽበ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ ኢትዮጵያ ብዘለዋ ብዝሒ ኣእዱግ፡ ካብ ዓለም ኣብ ቅድሚት እያ እትስራዕ።

ዶክተር ቦጂኣ ሂንደቡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብዝሒ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኣእዱግ ካብ ሸሞንተ ክሳዕ ትሽዓተ ሚልዮን ይበጽሕ።

ቻይና ብብዝሒ ኣእዱግ ሓንቲ ካብተን ኣብ ቅድሚት ዝጥቀሳ እኳ እንተኾነት፡ ኣብታ ሃገር ማሕረዲ ኣእዱግ ብምውሳኹ፡ ብዝሒ ኣእዱግ ካብ 11 ሚልዮን ናብ 3 ሚልዮን ከም ዝወረደ ዶክተር ቦንጂኣ መጽናዕትታት ብምጥቃስ የረድእ።

ኢትዮጵያ ዝለዓለ ብዝሒ ኣእዱግ ዘለዋ ሃገር ምዃና ኣብ ማሕረዲ ኣእዱግ ንዝነጥፉ ኣውፈርቲ ሰሓቢ ምዃኑ'ውን ሓቢሩ።

ቅድሚ ገለ ዓመታት ኣብ ከተማታት ኣሰላን ቢሾፍቱን ማሕረዲ ኣእዱግ ተኸፊቱ እኳ እንተነበረ፡ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ሕብረተሰብ፡ እቲ ተግባር ምስ ባህልን ክብርታትን ኢትዮጵያውያን ዝጻረር እዩ ብምባል ብዝተፈላለዩ መገድታት ተቓውሞ ብምቕራቦም ካብ ስራሕ ደው ከም ዝበሉ ዝዝከር እዩ።

ማሕረዲ ኣእዱግ ዝፈጥሮ ጽልዋ እንታይ'ዩ?

ዳይሬክተር ዶንኪ ሳንችወሪ ዶክተር ቦጂኣ፡ ከም ኢትዮጵያ ኣብ ዝኣመሰላ ሃገራት ብቐንዱ ኣብ ሕርሻ ኣብ ዝምርኮሳ ሃገራት፡ ተራ ኣእዱግ ኣብ ንጥፈታት ሕርሻ ብመኪና ዝትካእ ከም ዘይኮነ ይዛረብ።

ወሲኹ'ውን ኣብዘን ሃገራት ማሕረዲ ኣእዱግ ምኽፋት፡ ልዑል ማሕበራዊ ጸቕጢ ከም ዝፈጥር ገሊጹ።

"ከምዚ ዓይነት ፋብሪካ፡ ንግዚኡ ነታ ሃገር ምንጪ ናይ ወጻኢ ባጤራ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ እንተኾነ ግና እቲ ኣብ ገጠራት ዝነብር ህዝባን ዝበዝሐ ህይወቱ ምስ ኣእዱግን ሸኾናኦም ዘይተመቕለን ናይ ጋማ ከብቲ ዝተመስረተ እዩ። ዝበዝሑ ንጽዕነት ኣእዱግ'ዮም ዝጥቀሙ። ኣእዱግ እንተተሓሪዶም እቲ ሰኸም ናብ ኣዴታትን ካልኦት ሰባትን እዩ ክሓልፍ" ብምባል ነቲ ተጽዕኖ የረድእ።

ኣብ ማሕረዲ ኣእዱግ ዝዋፈሩ ትካላት ናብታ ሃገር ክኣትው እንከለው 'ባዕልና እነፋርዮም ኣእዱግ ኢና እንሓርድ' እኳ እንተበሉ ኣብ ተግባር ግና ነቲ ክፍጽሙ ርኢና ኣይንፈልጥን ክብል እውን ኣብሪሁ።

"ባዕሎም ዘፋረይዎ ኣእዱግ እንተዝሓርዱ ጽቡቕ ነይሩ። ተሞክሮ ካልኦት ሃገራት እንተርኢና፡ ፈለማ ከምኡ ዝብል ሓሳብ የቕርቡ፤ ኣብ ተግባር ግና ኣየውዕልዎን'ዮም። ናይቲ ሕብረተሰብ ኣእዱግ እዮም ብደላሎ እናዓደጉ ዝሓርዱ" ይብል ዶክተር ቦጂኣ።