ረቂቕ ኣዋጅ ትግራይ፡ ብሞት ዘቕፅዑ ዓንቀፃቱን ዝፈጠሮ ስክፍታን

ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል

ምንጪ ስእሊ, Office of the President-Tigray/fb

መግለጺ ስእሊ, ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል
Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

እቲ ሎሚቕነ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተዘርጊሑ ዘሎን ብክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ከምዝወፅአ ዝንገረሉ ሓድሽ ረቂቕ ኣዋጅ፡ ከካትዕ ቀንዩ ኣሎ።

እቲ: "ህላወን ድሕነትን ህዝቢ ትግራይ ንመውሓስ ዝወፅአ ኣዋጅ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ" ዝብል መፀውዒ ዝተውሃቦ ሰነድ፡ መንግስታዊ ከምዝዀነን፡ ናብ ክልላዊ ባይቶ ክፀድቕ ትፅቢት ከምዝግበረሉን ቢቢሲ ትግርኛ ካብ ፈለጥቲ ውሽጢ ኣረጋጊፁ ኣሎ።

እቲ 44 ገፅ ዘለዎን፡ ኣብ ሽድሽተ ምዕራፍ ዝተወደበን ረቂቕ አዋጅ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሕ ዘይተለምዱን ካብቲ ስሩዕ ክልላዊ ይዅን ሃገራዊ ሕገ-መንግስቲ ወፃኢ ትርጓመታት ዝወሃቦም ገለ ድንጋታት ዝሓዘን ኰይኑ ይረአ።

ኣብ መእተዊ እቲ ኣዋጅ፡ 'ፀላኢ' ንውዕል ፕሪቶርያ ኣፍሪሱ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኵሉ ዓይነት በደልን ግፍዕን ይፍፅም ስለዘሎ፡ ህዝብልን መንግስትን ትግራይ ዓርሱ ንምክልኻል ተፈጥሮኣውን ሕጋውን መሰል ከምዘለዎም ኣቐዲሙ ኣስፊሩ ይርከብ።

ህወሓት፡ ነቲ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ዝቘመ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብምፍራስ፡ በቲ ቅድሚ ኲናት ዝተመርፀ ቤት ምኽሪ ክትካእ ገይሩ እዩ። እዚ ድማ ምስ መንግስቲ ፈደራል ዘሎ ወጥሪ ከየዕርጐ ተሰጊኡ ኣሎ።

እዚ ከምዚ እናሃለወ እዩ፡ እዚ ንእዋን ኲናት ተሓሲቡ ዝወፅአ ዝምስል ኣዋጅ ረቒቑ ዘሎ።

'ኣዋጅ -ክተት' ወይ ድማ ኣዋጅ-መኸተ' ክበሃል ዝኽእል ኰይኑ፡ ብቕርፁ ይዅን ብትሕዝቶኡ ድንጋገ ህጹጽ እዋን [State of Emergency] ተባሂሉ ዝተዳለወ ይምስል።

እዚ ኣዋጅ ኣብ ግብሪ ንኽውዕል፡ ብፕረዚደንት እቲ ክልል ከም ዝእወጅን ብቤት ምኽሪ እቲ ክልል ፀዲቝ፡ ደንብታት ከም ዝወፅኦን'ውን ተገሊፁ ኣሎ። ተፀዋዕነቶም ንፕረዚደንት እቲ ክልል ዝዀኑ፡ 'ማእከላይ ኮማንድ'ን 'ሰራዊት ትግራይ'ን ተጣይሶም ከምዘለዉ ድማ ይሕብር።

ንምዃኑ፡ እቶም ቀንዲ ዘዘራርቡ ዘለዉ ዓንቀፃት ኣየኖት'ዮም- ኢልና ትሕዝቶ'ቲ ረቂቕ ኣዋጅ ክንድህስሶ ፈቲና።

ኣስገዳድ ብሄራዊ ፃውዒት

ኣብ ክፍሊ ሓደ፡ ዓንቀፅ 5 ከምዝተጠቕሰ፡ ዝዀነ ዕድመኡን ጥዕናኡን ዝፈቐደሉ ተወላዲ ትግራይ፡ ብመንግስቲ ትግራይ ንዝቐርበሉ ፃውዒት ክተት ተቐቢሉ ግቡእ ናይ ምፍፃም 'ብሄራዊ ግቡእ ኣለዎ' ይብል።

ኣብ ክፍሊ ሰለስተ፡ ኣብ ትሕቲ "ተሓታትነት ገበን" ኣብ ዝብል ድማ፡ ዝዀነ ኣብ ሰራዊት ትግራይ ክኣቱ ወይ ክጋደል ዘይከኣለ፡ ኣብ ደጀን ይዅን ኣብ ግንባር ግቡኡ ክፍፅም ፃውዒት ቀሪብሉ ዘይፈፀመ እንተዀይኑ፡ ካብ ዓሰርተ ሽሕ ክሳብ ሓምሳ ሽሕ ብር ተቐፂዑ፡ ግቡኡ ክፍፅም ከም ዝግደድ ይድንግግ።

ምስዚ ብዝተኣሳር፡ ንጥፈታት ሰራዊት ይዅን መንግስታዊ ኣካል ምቅላዕ፤ ዘይሕጋዊ ዕጥቂ ምሓዝን ጥይት/ርችት ምትኳስን ከምኡ'ውን፡ ካብ ብሄራዊ ፃውዒት ንምምላጥ ምፍታንን ምትሕብባርን፡ ካብቶም ብማእሰርትን ብገንዝብን ዘቕፅዑ ተግባራት ከምዝዀኑ ተገሊፁ ኣሎ።

ብሞት ከቕፅዑ ዝኽእሉ ሸውዓተ ድንጋገታት

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብፍላይ ኣብ እዋን ውግእ፡ ኣብ ልዕሊ መሰረተ-ልምዓት፣ ትካላት ህዝብን መንግስትን ዕንወት ምፍፃም፡ ምስ ፀላኢ ምትሕብባርን ምሽጥር ምብኻንን ብማእሰርትን ገንዘብን ዘቕፅዕ ከምዝዀነ ዝተገልፀ ዀይኑ፣ እቲ ተግባር ኰነ ኢልካ ዝተፈፀመ እንተዀይኑ ግን፡ ክሳብ ብዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ወይ ብሞት ከቕጽዕ ይኽእል - ይብል ዓንቀፅ 29-30።

ከምኡ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ሕግን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትን ወይ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰብ-መዚ፡ ወይ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ትግራይ ጉድኣት ምብፃሕ፡ ብፍላይ ድማ እዚ ምንቅስቓስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ምንጋዕ ዝፈጠር እንተዀይኑ፡ ክሳብ ብዕድመ ልክዕ ፅኑዕ ማእሰርቲ ወይ ድማ ክሳብ ብሞት ክቕፅዕ ዝኽእል ካልእ ገበን ኰይኑ ሰፊሩ ኣሎ።

ከምኡ ድማ ምስ ወፃኢ መንግስቲ ብምትሕብባር፡ ልኡላዊነት ትግራይ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ተግባር ምፍፃም፡ ከከም ዓይነት ኣፈፃፅማኡ፡ ከቢድ እንተዀይኑ፡ ክሳብ ብሞት ዘቕፅዕ ከምዝዀነ ተገሊፁ ኣሎ።

ካልእ ክሳብ ብሞት ከቕፅዕ ዝኽእል ገበን፡ ምስ ፀላኢ ብቝጠባዊ መንገዲ ምትሕግጋዝ ዝገበረ፡ ወይ ድማ ብምምኻር ዝተሓበባረ ዝብል ኣብ ዓንቀፅ 44 ሰፊሩ ይርከቦ።

ከምኡ ድማ፡ ገበናት ኲናትን ገበናት ጄኖሳይድን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኰነ ኣብ ልዕሊ ውሱን ክፋል ማሕበረሰብ ትግራይ ክፍፀም ዝጐስጐሰ፣ ትእዛዝ ዝሃበ ዀነ ባዕሉ ክፍፅመም ዝተንቀሳቐሰ፡ ብዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ወይ ድማ ክሳብ ሞት ዘቕፅዕ ኰይኑ ተመዝጊቡ ይርከብ።

እዚ ብዝተፈላለዩ መንገድታት ዝግለፅ ኰይኑ፡ ጥሜት ይዅን መድሓኒት ከም መሳርሒ ኲናት ምጥቃም ወይ ድማ ጥንታዊ ቅርስታትን ቦታታት ኣምልኾን ኰነ ኢልካ ምዕናው ድማ ኣብዚ ብሞት ከቕፅዕ ዝኽእል ገበን ተኻቲቱ ይርከብ።

ምስ ናፅነት ሚድያ ዝተኣሳሰሩ ተግባራት

ክብሪ መስዋእት ምንእኣስ፡ ክብሪ ስድራ ተጋደልቲ ምትንካፍን፡ ብፍላይ ድማ፡ ብሚድያ ዝተወደበ ስራሕ እንተዀይኑ ክሳብ ዓሰርት ሓሙሽተ ዓመት ማእሰርቲ ከምዘቕፅዕ ሰፊሩ ይርከብ።

ከምኡ'ውን፡ ዝዀነ ሰብ ኣብ ትግራይ ይዅን ካብ ትግራይ ወፃኢ፡ ኣንፃር መኸተ ምንቃፍ፡ ሰብ ከይጋደል ምጕስጓስን ኣንፃር መኸተ ምልዕዓልን ብኸቢድ ዘቕፅዕ ተግባር ኰይኑ፡ ክሳብ ሓሙሸተ ዓመት ማእሰርቲ ከፍርድ ዝኽእል ምዃኑ ይሕብር።

እዚ ድማ ምስ ናፅነት ፕረስ ዝተኣሳሰር ኰይኑ፡ ኣብቲ ክልል [ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ] ሓሳብካ ብናፅነት ናይ ምግላፅ መሰልን ንምዕፋን ኣብ ጥቕሚ ከይውዕል ሰግኣት ፈጢሩ ይርከብ።

ኣብዚ ምዕራፍ ካልእ ዝርዝር 'ገበናት' ዝተኻተቱ ኰይኖም፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ራዕዲ ክፈጥር ዝኽእል ወረን ሓሶትን ምንዛሕ፡ ካብ ሰለስተ ክሳብ ዓሰርተ ዓመት ዘቕፅዕ ምዃኑ ተገሊፁ ኣሎ።

ካልእ ኣዛራቢ ዘሎ ድንጋገ

ኣብ ዓንቀፅ 48፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ትግራይ ብዝዀነ ይዅን መገዲ፡ ጐስጓስ ምክያድ፡ ወይ ድማ ብፀላኢ ክጥቃዕ ኰነ ኢልካ ምትሕብባር፣ ተወለድቲ ትግራይ ንፀላኢ ምምልማል፣ ሰራዊት ትግራይ ንኽኸድዕ ምልዕዓልን ምትብባዕን ብዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ወይ ድማ ብሞት ዘቕፅዕ ገበን ኰይኑ ይርከብ።

ኣብዚ ክሳብ ብሞት ከቕፅዕ ዝኽእል ተጠቒሱ ዘሎ፡ ዝዀነ ሓደገኛ ተቓፃፃሊ ነገር ዝፈንጀረ፡ እሞ እቲ ሓደጋ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ከባብን ልዑል ሓደጋ እንተኣብፂሑን እንተተዛሚቱን ዝብል ይርከቦ።

ከምኡ'ውን ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ዝጥቀምሉ ምግቢ ይዅን ማይ ዝመረዘ [ዝሰመመ] ክሳብ 15 ዓመት ዘቕፅዕ ምዃኑ ጠቒሱ፡ እቲ ተግባር ኣብ ልዕሊ ሰባት ናይ ሞት ሓደጋ እንተ ኣብፂሑ ግን፡ ብዕድመ ልክዕ ፅኑዕ ማእሰርቲ ወይ ድማ ብሞት ከቕፅዕ ይኽእል ይብል።

ቍጠባውን ነዳድን ኣሻጥር

ከምኡ ድማ ሃረፃን ምስኡ ምዝማድ ዘለዎ ቍጠባዊ ሸርሕን፣ ዘይሕጋዊ ምንቅስቐስ ገንዘብን፣ ከምኡ'ውን መድሓኒት ምሕባእ ወይ ድማ ብዝተጋነነ ዋጋ ክሸይጥ ዝተረኽበ ሰብ፡ ክሳብ ሰለሰተ ሚእቲ ሽሕ ከቕፃዕ ይኽእል ይብል።

ኣብ ርእሲኡ፡ ኣብዚ ኣዋጅ ዓንቀፅ 58፡ ሰፊሕ ቦታ ዝተውሃቦ ጉዳይ ነዳዲ ዝምልከት ኰይኑ፡ ነዳዲ ዝሓብአ፣ ምስ ማይ ሓዊሱ ዝሸጠ ወይ ድማ ኣብ ልዕሊ ንሓይልታት ፀጥታ ዝተኸዘነ ዝዀነ ጉድኣት ዘብፀሐ፤ ዘታለለን ዝሸጠን ካብ 25 ዓመታት ማእሰርቲ ጀሚሩ ካብ ሓምሳ ሽሕ ክሳብ ሚእቲ ሽሕ ብር ክቕፃዕ ከምዝኽእል ይድንግግ።

ወሰን ተፈፃምነት

እዚ ኣዋጅ በቲ ዘለዎ ደረጃ እንተፀዲቝ፡ ኣብቲ ክልል ዘሎ ሓሳብ ብናፅነት ናይ ምግላፅ መሰል ኰነ ብናፅነት ናይ ምንቅስቓስ ምንባር ዝድርት ከምዝዀነ ብዙሓት ይዛረቡ።

ካብ ትሕዘቶ እቶም ዓንቀፃት ብዘይንኣኣስ፡ ኣፈፃፅምኡን ወሰን ግዜኡን ዘካትዕ ኰይኑ፡ እቶም ዝተጠቕሱ ገበናት ከከም ክብደቶም፡ ካብ ማሕበራዊ ቤት ፍርዲ ክሳብ ማእከላይ ቤት ፍርዲ፡ ክረአዩ ከምዘለዎም ሰፊሩ ይርከብ።

በዚ መሰረት፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ትግራይ 'ይግበአንን ሰበርን' ጥራይ ዝርኢ ዀይኑ፡ ውሳነኡ ናይ መወዳእታን ዝዀነ ይኹን ይግባይ ዘይቀርበሉን - ይብል።

ኣብ ኢትዮጵያ ናይ መወዳእታ ይግባይ ናይ ምርኣይ መሰል ዘለዎ 'ሰበር ሰሚ ችሎት' [ሰበር ዝሰምዕ መጋባእያ] ምዃኑ፡ ሕጊ'ታ ሃገር ይድንግግ።

ዝዀነ ዘይቃዶ ትርጕም ሕገ-መንግስታዊ ድንጋገታት እንተኣጋጢሙ ድማ፡ እቲ ክልላዊ ቤት ምኽሪ ዝህቦ ትርጕም ናይ መወዳእታ ከምዝዀነ ኣብ ዓንቀፅ 62 ቍፅሪ 5 ተጠቒሱ ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ናይ መወዳእታ ሕገ-መንግስታዊ ትርጓመ-ናይ ምሃብ ስልጣን ናይ ቤት-ምኽሪ ፈደሬሽን እዩ።

ዓንቀፅ 75 ቁፅሪ 2፡ ገበን ኣንፃር ህልውናን ድሕነትን ህዝቢ ትግራይን፡ ከበድቲ ገበናት ግዕዝይናን እንትፍፀሙ ኣብ ዝዀነ ግዜን ቦታን [ዋላ ኢድ ብኢድ ዘይኰኑ] ብዘይ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ተጠርጣሪ ምሓዝን ስራሕቲ ፍተሻ ምክያድን ይኽእሉ ዝብል እዩ።

እዚ ድማ ንብዙሓት ዘተሓሳስብ ድንጋገ ዀይኑ፡ ዕጡቓት ብዘይ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ዝዀነ ይዅን ዜጋ ኣብ ቀይዲ ንምውዓልን ንምግፋዕን ኣብ ግብሪ ከይውዕል ይስጋእ።

እቲ ኣዝዩ ዘሰክፍ ዘሎ ኣብ መወዳእታ ዝርከብ ኲይኑ፡ ተፈፃምነት እዚ ኣዋጅ ዝምልከት እዩ።

"ተፈፃምነት፡ ኣብዚ ኣዋጅ ካብ ዓንቀፅ 35 ክሳብ 48 ዝተደንገጉ ገበናት፡ ካብ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም [ 3 ሕዳር 2020] ጀሚሩ ይኸውን" ይብል። እዞም ዓንቀፃት እቶም ኣዝዮም ከበድትን ክሳብ ብሞት ዘቕፅዑን ዝሓዙ እዮም።

ኣብ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ዀነ ኣብ ክልላዊ ሕገመንግስቲ ትግራይ ዘየለ፡ ወይ ድማ ኣብ ዝዀነ ዓለማዊ ሕጊ ዘይተለምደ፡ እቲ ኣዋጅ ሓሙሽተን ልዕሊኡን ዓመታት ንድሕሪት ተመሊሱ፡ ክሰርሕ'ዩ ምባሉ ሰፊሕ ሕቶ ኣልዒሉ ይርከብ።