ኣትሌት ናሆም ኤርምያስ ንማራቶን ኣስመራ ክልተ ግዜ ድዩ ሰለስተ ግዜ'ዩ ተዓዊትሉ?

ምንጪ ስእሊ, MOI
ብ7 ሰነ ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ዞባዊ መልክዕ ሒዙ ዘሎ ማራቶን ኣስመራ ተኻይዱ።
እቲ ውድድር ኣባል ጋንታ ጋሽ ባርካ ናሆም ኤርምያስ ብክልተ ሰዓት 16 ደቂቕን 22 ካልኢት ብዘመዝገቦ ሰዓት ቀዳማይ ኰይኑ ተዓዋቲ ዋንጫ፡ መዳልያን ሽዱሽተ ሽሕ ዶላር [90 ሽሕ ናቕፋ] ብምዃን ዛዚምዎ።
ንዕኡ ተኸቲሎም ኦሎምፒካዊ ኣትሌት ኣባል ጋንታ ዞባ ማእከል ዑቕበ ክብሮም ከምኡ ከኣ ኣባል ክለብ ደንደን ምኒስትሪ ምክልኻል ኦሎምፒካዊ ኣትሌት ዑቕባይ ጸጋይ ካልአይ ሳልሳይን ብምዃን ተመራሪሖም ኣትዮም።
ሰንዓፈ ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ኣትሌት ናሆም ኤርምያስ መጀመርታ ናብ ህዝቢ ዝተላለየ ኣብ ውድድር ሳዕስዒት 'ሰንዓፈ ስታይል' ብዝብል ብዘቕረቦ'ዩ።
ካብ ሰንዓፈ ናብ ኣስመራ ጠቕሊሉ ብምምጻእ ከኣ ኣብ ኢዱ ብርቱዕ ድምጺ ዘለዋ ብብሉቱዝ እትሰርሕ መጕልሒ ድምጺ ሒዙ ሙዚቃ ወሊዑ ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ብናህሪ እናጎየየ ክረአ ጀሚሩ፣ ብዙሕ ሰብ'ውን ፊሊጥዎ።
ኣብቲ ውድድር ንሓያለ ስሙያት ኦሎምፒካውያን ተቐዳደምቲ ካብ ከም ብዓል ኡጋንዳ፡ ኬንያን፡ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳን ዝርከብዎም ዝርከብዎም ስሙያትን ኦሎምፒካውያን ናይ ውሽጢ ሃገር ተወዳደርቲ ብምስዓር ንብዙት ሰባት ከገርም ክኢሉ።
ናሆም ኤርምያስ ኣብቲ እዋን ንከም ግርማይ ገብረስላሰ ዝኣመሰሉ ስሙያት ተቐዳደምቲ ዝተሳተፍሉ ውድድር፡ ንምኵር ኡጋንዳዊ ኣትሌት በን ቸሊሞ ብምብላጽ'ዩ ነዚ ድሙቕ ዓወት ከመዝግብ ክኢሉ።
ኣብቲ ኣጋጣሚ ከኣ ኡጋንዳዊ በን ቸሊሞን ኤርትራዊ ክብሮም ዑቕባእግዝኣብሄርን ከኣ ካልኣይን ሳልሳይን ኰይኖም ውድድሮም ዛዚሞም።
ናሆም ኣብ 2024 ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ውደድር'ውን ተሳቲፉ ነይሩ'ዩ፣ ነቲ ዓወት ሃብተ ካብ ጋንታ ዞባ ደቡብ፡ ኦሎምፒካዊ ዑቕባይን ሙሴ እስቲፋኖስን ካብ ክለብ ደንደን ምኒስተሪ ምክልኻል ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ዝወጽእሉ ናሆም ነቲ ውድድር ክውድኦ ኣይክኣለን።
ኣብ 8 ሰነ 2025 ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ውድድር'ውን ኣባል ክለብ ደንደን ኣትሌት ደበሳይ ደሳለ ንውድድሩ ብ2 ዓት 16 ደቂቕን 28 ካልኢትን ብምዝዛም ቀዳማይ ኰይኑ ኣትዩ፤ ኣባል ጋንታ ጋሽ ባርካ ናሆም ኤርምያስ ከኣ ንዕኡ ተኸቲሉ ካልኣይ ክኣቱ እንከሎ ኬንያዊ ኣትሌት ደኒስ ኩሲምባ ሳልሳይ ኮይኑ ኣትዩ።
ስለዚ ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ ናሆም ሓንቲ ወርቅን ሓንቲ ብሩርን ሒዙ'ዩ ናብዚ ብ7 ሰነ ዝተኻየደ ውድድር ኣስመራ ማራቶን ኣምሪሑ።
እንተዀነ ኣብቲ ብቐጥታ ብሃገራዊት ተሌቪዥን ዝመሓላለፍ ዝነበረ መደብ ትንታነ ዝህብ ዝነበረ ምኩር ኣሰልጣኒ ኣትለቲከስ ለቪንግስቶን ኣብርሃም ይዅን ነቲ መደብ ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኮይኖም ብቐጥታ ሓበሬታ ዘመሓላልፉ ዝነበሩ ጋዜጠኛታት ሃገራዊት ተለቪዥን ኤርትራ፡ ኣትሌት ናሆም ኤርምያስ ነዚ ውድድር እንተ ተዓዊትሉ እቲ እንኮ ኣብዚ ውድድር 'ሃትሪክ' ዝሰርሐ ክኸውን'ዩ ክብሉ ምስ ተሰመዑ፡ ኣብቲ ናይ ዩትዩብ መውሃቢ ርእይቶ ናሆም ነዚ ውድድር ሓንሳብ ጥራይ ከምዝተዓወተሉ ዝገልጽ ጽሑፍ ብዝተፈላለዩ ሰባት ይሰፍር ነይሩ።
ምኒሰትሪ ዜና ኣብ ብ8 ሰነ 2025 ኣብ ናይ ፌስ ቡክ ገጹ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ'ውን ኣትሌት ደበሳይ ደሳለ ተዓዋቲ ማራቶን ኣስመራ ከምዝኾነ'ዩ ገሊጹ።
እቲ ውድድር ብተሌቪዥን ኤርትራ ብቐጥታ ስለዝመሓላለፈ'ውን ኣትሌት ደበሳይ ደሳለ ቀዳማይ ክኣቱ ኵሉ ሰብ'ዩ ርእይዎ'ዩ።
ኣብዚ ሰንበት ዝተኻየደ ውድድር ናሆም ኤርምያስ ጸወታ ውሑዳት ሜትሮታት ምስ ተረፎ ነቲ ምስኡ ዝጎዩ ዝነበረ ኣባል ጋንታ ዞባ ማእከል ዑቕበ ክብሮም ረጥሪጡ ብምእታው'ዩ ገና መወዳእታ መስመር ከይበጽሐ ማልያኡ ብምውጻእ ክጽንብል ጀሚሩ።
ቀዳማይ ምውጽኡ'ውን ኣረጋጊጹ።
ኣብ እዋን ምዕዳል ሽልማት ከኣ ናሆም ኤርምያስ ነዚ ውድድር ንሳልሳይ ግዜ ከምዝተዓወተሉ ብወግዒ ተሓቢሩ።
ናሆም ኤርምያስ'ውን ድሕሪ ውድድር ምስ ጋዜጠኛ ሃገራዊት ተለቪዥን ኣብ ዝገበሮ ሓጺር ቃለ መሕተት፡ ነዚ ውድድር ንሳልሳይ ግዜ ተዓዊትሉ ክንሱ ክሳብ ሕጂ ኣብ ደገ ዝግበር ውድድራት ንኽወዳደር ዕድል ከምዘይረኸበ ብምምራር ገሊጹ።
ቢቢሲ ኣብቲ እዋን ንጸብጻብ እቲ ውድድር ኣመልኪቱ ኣብ ዝጸሓፎ ዜና፡ ናሆም ኤርምያስ ኣብ 2023 ቀዳማይ፡ ኣብ 2025 ካልኣይ ኣብ 2026 ከኣ ቀዳማይ ነዚ ውድድር ክልተ ግዜ ዝተዓወተሉን በቲ ኣብ 2023 ነቲ ውድድር ንምውዳእ ዝመዝገቦ ናይ 2 ሰዓት 14 ደቂቕን 21 ካልኢት ክብረ ወሰን ናይዚ ውድድር ሒዙ ምህላዉ ዝገልጽ ዜና'ዩ ዘርጊሑ።

ምንጪ ስእሊ, MOI
ኣማስያኡ ኣብ ፌስቡክ ምኒስትሪ ዜና ኤርትራ ኣብ ዝወጽአ ጸብጻብ እቲ ውድድር፡ ናሆም ኤርምያስ ተዓዋቲ ማራቶን ኣስመራ 2026 ከምዝኾነን፡ ኣብ 2023 ከምኡ ከኣ ኣብ 2025 ነዚ ውድድር ከም ዝተዓወተሉ ከም ዝነበረን ዝገለጽ ትሕዝቶ ዘለዎ ዜና ወጺኡ።
ካብዚ ብምብጋስ ከኣ ቢቢሲ ብዛዕባ እቲ ኣብ 2025 ዝተኻየደ ማራቶን ኣስመራን ናሆም ኤርምያስ ካልኣይ ዝወጽኣሉን ውድድር ዝተቐያየረ ውጽኢት እንተሃልዩ ካብ ዝምልከቶም ኣካላት መልሲ ንምርካብ ፈተነታት ኣካይዱ።
ኣብ መወዳእታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ከኣ እቲ ኣብ 2025 ነዚ ውድድር ዝተዓወተሉ ኣትሌት ደበሳይ ደሳለ ድሕሪ ውድድር መርመራ ሓይሊ ዝህብ መድሃኒት (ዶፒን) ንኽግበረሉ ምትሕብባር ስለዝኣበየ፡ እቲ ናይ ቀዳማይ ደረጃኡ ተሓዲጉ ውጽኢቱ ከምዝተሰረዘን፣ እቲ ኣብቲ እዋን ካልኣይ ኮይኑ ዝኣተወ ናሆም ኤርምያስ ናይ ቀዳማይ እቲ ሳልሳይ ዝኣተወ ኬንያዊ ዲሲስ ኩሱምባ ከኣ ናብ ካልኣይ ደረጃ ከምዝደየቡ ከነረጋግጽ ክኢልና።
እቲ ሓበሬታ እዚ ኣቐዲሙ ብወግዒ ስለዘይተሓበረ ድማ'ዩ ሰብ በቲ ዝወሃብ ዝነበረ ሓበሬታ ድንግርግር ክብሎን ጌጋ ሓበሬታ ይውሃብ ምህላውን ክጽሕፍ፡ ክዛረብን ክስማዕ ቀንዩ።
ማራቶን ኣስመራ ኣብ 2017 ብምምሕዳር ዞባ ማእከል ተወዲቡ ማራቶን ዞባ ማእከል ብዝብል ስም'ዩ ጀሚሩ፡ ኣትሌት መሓሪ ጸጋይ ከኣ በዅሪ ተዓዋቲ እዚ ውድደር ክኸውን ክኢሉ።
ኣብ 2018 እቲ ውድድር ስሙ ናብ ኣስመራ ማራቶን ምሕደራኡ ከኣ ናብ ፈደረሽን ኣትለቲክስ ኤርትራ ብምቕያር ብስሩዕ ብምቕያር ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ኣትሌታት እናዓደመን ነቲ ዝውሃብ ሽልማት ብምብራኽን ምዕሩይነት ሒዙ።

ምንጪ ስእሊ, MOI
እቲ ውድድር ካብ ማራቶን ዞባ ማእከልን ናብ ማራቶን ኣስመራ ምስ ተቐየረ ከኣ ኣትለት ሓጂ መሓመድ ነቲ ውድድር ብ2 ሰዓት 24 ደቂቕን 20 ካልኢትን ተዓዊትሉ ።
2020፡ 2021 ከምኡ ከኣ 2022 ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ 19 እቲ ውድድር ኣይተኻየደን።
2023 ዳግማይ ኣብ ዝተጀመረሉ ከኣ ናሆም ኤርምያስ ቦኽሪ ዓወት ኣመዝጊቡ፡ ኣብ 2024 ዓወት ሃብተ ተዓዊቱ፡ ኣብ 2025 ደበሳይ ደሳለ'ኳ እንተተዓወተ በዚ ኣቐዲምና ዝገለጽናዮ ምኽንያት ውጽኢቱ ስለዝተሰረዘ ነቲ ኣብቲ ውድድር ካልኣይ ኮይኑ ዝኣተወ ናሆም ኤርምያስ ናይ ቀዳማይ ደረጃ ስለዝተውሃቦ ካልኣይ ዓወቱ ኮይኑ ስለዝተመዝገበሉ ኣብ ታሪኽ ውጽኢት ማራቶን ኣስመራ ምስ ኣትሌት መሓሪ ጸጋይ ክመዓራረ ክኢሉ።
በዚ ብ7 ሰነ ሰሊሱ ዘመዝገቦ ዓወት ከኣ እቲ እንኮ ንውድድር ማራቶን ኣስመራ ሰለስተ ግዜ ዝተዓወተሉ ኣትሌት ብምዃን ክብረ ወሰን ጨቢጡ ይርከብ።
ምስዚ ኵሉ ብቕዓቱ ንሃገሩ ወኪሉ ኣብ ወጻኢ ክወዳደር ዕድላት ዘይጣጣሓሉ ኣብ ዝብል ግን "ምስ ውልቃዊ ባህሩን ድሲፕሊኑን ፍኑው ዘረባኡን" ዝተፈላለየ ርእይቶታት ይወሃብ እዩ፤ ካብ ፈደረሽን ኣትለቲክስ ኤርትራ ዝተዋህበ ወግዓዊ ሓበሬታ ግን የለን።
ብቕዓት ግን ኵሉ ዝመስከረሉ ኣትለት ምዃኑ ዘከራኽር ኣይኰነን።

ምንጪ ስእሊ, Tesfaldet Mebrahtu






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
