ወናኒት ክብረወሰን 10 ኪሎ ሜትር ጉያ ኬንያዊት ቲሮፕ ኣብ ገዝኣ ሞይታ ተረኺባ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ 10 ኪሎ ሜተር ጉያ ክብረወሰን ዓለም ዝሓዘት ኬንያዊት ኣትሌት ኣንገስ ቲሮፕ ኣብ ገዝኣ ሞይታ ከምዝተረኸበትን ተጠርጣሪ ዝኾነ በዓል ገዝኣ ኣብ ቀይዲ ንምውዓል ይጽዕር ምህላዉን ፖሊስ ኣፍሊጡ።
እታ ኣትሌት ኣብ ኬንያ ኢቴን ትበሃል ንኢሽተይ ገዛ ዝርከብ መንበሪ ገዝኣ ብበሊሕ ነገር ተወጊኣ ከምዝሞተት ፖሊስ ሓቢሩ።
ኣብ ውድድር ሻምፒዮንሺፕ ኣትሌቲክስ ክልተ ጊዜ ነሓስ ዝረኸበት ከምኡ’ውን ኣብቲ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ዝተኻየደ ቶክዮ ኦሎምፒክ ኣብ ናይ 5 ሽሕ ሜትሮ ውድድር ራብዐይቲ ብምዃን ዝዛዘመት ኣትሌት ቲሮፕ ጓል 25 ዓመት ነይራ።
ዝሓለፈ ወርሒ ድማ ኣብ ጀርመን ዝተኻየደ 10 ኪሎሜትር ናይ ጎደና ውድድር ‘ዉሜንስ ኦንሊ’ ሓስሽ ክብረወሰን ከምዘመዝገበት ይዝከር።
ኣብ ኩነታት ኣማውታ እታ ኣትሌት ምጽራይ ይካየድ ዘሎ ኮይኑ በዓል ገዝኣ ድማ ደሃዩ ከምዘጥፍአ ፖሊስ ሓቢሩ።
ጉጅለ ምጽራይ ገበን ትማሊ ረቡዕ ናብ መንበሪ ገዛ ኣትሌት ኣንገስ ቲሮፕ ክርከቡ ዝኸኣሉ፤ ወላዲ ኣቡኣ ብሰሉስ ምሸት ጓሎም ከምዝጠፍኣቶም ስለዝሓበሩ’ዩ።
“”[ፖሊስ] ናብቲ ገዛ ምስበጽሑ ንቲሮፕ ኣብ ዓራት ረኺቦምዋ፤ እቲ መሬት ድማ ብደም ኣዕለቕሊቑ ነይሩ” ክብል ኣዛዚ ፖሊስ እቲ ካበቢ ቶም ማኮሪ ተዛሪቡ።
ኣብ ክሳዳ ተወጊኣ ከምዝረኸብዋ ብምሕባር፤ “እቲ ውጋእ ናይ ካራ ከምዝኾነን ክንኣምን ገይሩና። ምኽንያት ሞታ እውን ንሱ ከምዝኾነ ንኣምን” ክብል ኣረዲኡ።
ወሲኹ ድማ “በዓል ቤታ ቀንዲ ተጠርጣሪ እዩ። ቅድመ ምጽራያት ከምዘመልክቱና በዓል ገዝኣ ተጠርጣሪ’ዩ፤ ምኽንያቱ ክርከብ ኣይከኣለን። ፖሊስ ንዕኡ ረኺቡ እንታይ ከምዝተፈጠ ከዛርቦ ይፍትን ኣሎ” ብምባል ነቲ ኩነታት ገሊጹ።
ኣብቲ ገዛ ዝነበረ ካሜራ ኣብ መስርሕ ምጽራይ ሓጋዚ ዝኾነ መረዳእታ ከምዝህብ ፖሊስ ተስፋ ገይሩ’ሎ።
ምንጪታት ንቢቢሲ ከምዝሓበርዎ ኣትሌት ቲሮፕ ኣብ ከባቢ ከብዳ ብበሊሕ ነገር ተወጊኣ እያ ሞይታ ዝተረኸበት።
ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኬንያ “ወናኒት መዳልያ ነሓስ ሻምፒዮና ዓለም ዝኾነት ኣትሌት ኣንገስ ቲሮፕ በዚ ዕድሚኣ ሞይታ ዝብል ዜና ምስምዑ መሪር ሓዘን ከምዝፈጠረሉ” ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ኬንያ ንሓንቲ ካብ ሞንጎ መናእሰይ ቅልጡፋት ጎየይቲ ከምዝሰኣነት ድማ ኣፍሊጡ።
ፕረዚደንት እታ ሃገር ኡሁሩ ኬንያታ “ንሃገርና ክብሪ ዘጎናጸፈት መንእሰይ በዓልቲ ተስፋ ኣትሌት ምስኣንና ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ” ክብል ሓዘኑ ገሊጹ።
“እታ ብኹሉ መዕቀኒታት ጅግና ዝኾነት ኣትሌት በዚ ንኡስ ዕድሚኣ ስሱዓትን ጨካናትን ሰባት ብዝፈጸም ገበን ህይወታ ምሕላፉ ኣዝዩ ዘሕዝን’ዩ” ኢሉ።
ኣኽበርቲ ሕጊ ንፈጸምቲ ገበን ሃዲኖም ግቡእ ፍርዲ ክረኽቡ ኣብ ምግባር ክረባረቡ’ውን ኣተሓሳሲቡ።
ዝተፈላለዩ ኣካላት ሓዘኖም ኣብ ምግላጽ ዝርከቡ ኮይኖም፤ ፕረዚደንት ዓለምለኸ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ቶማስ ባች “ንብዙሓት ዘነቓቕሐት መንእሰይን ተስፋ ዝነበራን ኣትሌት” ክብል ገሊጽዋ።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
