እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቻይናዊት ሓላፊት ሃዋዊ ካብ ማእሰርቲ ነጻ ተባሂላ
1 ታሕሳስ 2018 ኣብ ካናታ ከተማ ባንኮቨር ኣብ ቀይዲ ዝኣተወት ሓላፊት ሃዋዊን ጓሊ ንመስራቲ ሃዋዌን ቻይናዊት መንግ ዋንዝግሁ ነጻ ተባሂላ።
ትማሊ ዓርቢ እቲ ኣኽበርቲ ሕጊ ካናዳ፡ ነቲ እታ ቻይናዊት ናብ ኣመሪካ ክትርከብ ዝብል ብኣመሪካ ዝቐረበ ጸውዒት ብምንጻግ ነጻ ከምዝፈነውዋ ተገሊጹ።
ካናዳ ንዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ብሰንኪ መንግ ዋንዝግሁ ብሕቶታት ቻይናን ኣመሪካ እያ ተወጢራ ጸኒሓ።
እቲ ወጥሪ ካብ ሕቶ ሰጊሩ ናብ ፖሎቲካዊ ምትፍናን ከምዘምረሐ'ውን ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
መንግ ዋንዝግሁ ዝተሳፈረታ ነፋሪት 1 ታሕሳስ 2018 ኣብ ካናዳ ምስ ዓለበት፡ መንግ ዋንዝግሁ ቅድሚ ናብ ካልእ ነፋሪት ምስቃላ ኣንተን ዝነበራኣ ሰዓታት፡ ናብቲ ኣብ ካናዳ እትውንኖ ገዛኣ ብምኻድ ገለ ንበረት ክትማለኣን ናብ ሜክሲኮ ዝሓሰበቶ መገሻ ክትቅጽልን እዩ ነይሩ ትልማ።
እንተኮነ ሰብ መዚ ጸጥታ ካናዳ ንሰለስተ ሰዓታት ደው ብምባል ንሞባይን ናይ ውልቃ ሰነዳትን ኣብ ምፍታሰሽ እዮም ኣትዮም።
መንግ ዋንዝግሁ፡ ንተወሳኺ ሕቶ ተባሂላን ኣመሪካ ድሕሪ ምትሓዛ ንዝቕረበቶ ሕቶ ንምጽራይን ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ቀይዱ ጸኒሓ.
ኣመሪካ ንመንግ ዋንዝግሁን ነቲ ንሳ ትመርሖ ትካልን ነቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘንበረቶ እግዳ ጥሒሳን ካልእ ምጥፍፋእ ፈጺማን ብምባል እያ ናብኣ ክትርከብ ክትሓትት ጸኒሓ።
መንግ ዋንዝግሁ ግን ነቲ ብኣመሪካ ዝቐረበላ ክሲ ብተደጋጋሚ ክትነጽጎ ጸኒሓ።
ቻይና'ወን ኣሲራቶም ዝጸነሐት ክልተ ከናዳውያን ፈቲሓ
እቶም ሚካኤል ስፓቮርን ሚካኤል ኮቭሪን ዝተብሃሉ ዜጋታት ከናዳ፡ ኣብ 2018 ብስለያ ተኸሲሶም ኣብ ቻይና ተኣሲሮም። እዚ ዝኸውን ዘሎ ፖሊስ ከናዳ ብናይ ኣመሪካ ናይ ክሲ ትእዘዝ ንቻይናዊት ላዕለወይቲ ሓላፊት ቴክኖሎጂ ምእሳሩ ስዒቡ'ዩ።
ቻይና ነቶም ክልተ ከናዳውያን ዜጋታት ዝኣሰረቶም ከናዳ ነታ ላዕለወይቲ ሓላፊት ቴክኖሎጂ ድሕሪ ምእሳራ ከም ፖለቲካዊ መጉጠይ ክትጥቀመሉ ደልያ እያ ዝብል ነቔፍታ ዝቐርበላ ኮይኑ ቻይና ግን ነዚ ክሲ ነጺጋቶ'ያ።
እቶም ከናዳውያን ካብ ዝእሰሩ ጀሚሮም ነቲ ዝተኸሰስሉ ገበን ከዘምይወዓልዎ'ዮም ክማጎቱ ጸኒሖም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ቱርዶ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ "ክእመን ዘይኽእል መከራ" ከምዘሕለፉ ተዛሪቡ። ኣብ ዝሓለፉ ሓደ ሽሕ መዓልትታት ዓቕልን ጥንካረን ኣርእዮም ኢሉ።
ክልቲኦም ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈትሑ ከናዳውያን ብኣምባሳደር ከናዳ ኣብ ቻይና ተዓጂቦም ሎሚ ንጉሆ ናብ ሃገሮም ክኣትዉ ትጽቢት ከምዘሎ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ሓቢሩ።
ኮቭሪግ ነባር በዓል ሞያ ዲፕሎማሲ ኮይኑ ብራስለስ ኣብ ዝመደብሩ 'ኢንተርናሽናል ክራይስስ ግሩፕ' ተቖጺሩ ይሰርሕ ነይሩ። ስፓቮር በወገኑ መስራቲ ናይቲ ንግዳውን ባህላውን ዝምድናታት ከናዳን ደቡብ ኮርያን ዘሳሲ ትካል መስራቲ ከምዝኾነ ተፈሊጡ።
ቤት ፍርዲ ቻይና ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ንስፓቮር ናይ 11 ዓመታት ማእሰርቲ በይንሉ ዝነበረ ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ኮቭሪግ ግን ዝተወሰነ ፍርዲ ኣይነበረን።
ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን በቲ ቻይና ዝወሰደቶ ስጉምቲ ሕጉስ ከምዝኾነ ድሕሪ ምግላጽ፡ እቶም ሰባት ግን ንልዕሊ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ከምዝተሰሃዩ ገሊጹ።
ናይ ሁዋዊ ላዕለወይቲ ሓላፊት ፋይናንስ መገግ ዋንዡ ኣብ ጉዳይ እቲ ቀሪቡላ ዝነበረ ናይ ምትላል ክሲ ምስ ዓቀብቲ ሕጊ ኣመሪካ ኣብ ስምምዕ ሰለዝበጽሐት ዳይና ከናዳ ትማሊ ዓርቢ ክትፍታሕ ወሲኑ።
"ህይወተይ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ግልብጥብጥ ኢሉ'ዩ" ከትብል ድማ ንጋዜጠኛታት ተዛሪባ። ካብ መላእ ዓለም ዝረኸበቶ ሰናይ ትምኒት ድማ ዕድመ ልክዓ ከምዘይትርስዖ ገሊጻ።