እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዓባይ ብሪጣንያ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ንሃገራት እቲ ዞባ ትህቦ ድጋፍ ብፍርቂ ንምንካይ ወሲና
መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ንካልኦት ዝተመረፃ ሃገራት እቲ ዞባ ዝገብሮ ድጋፍ ገንዘብ ንምንካይ ወሲኑ።
እንተኾነ ኮሚቴ ፓርላማ ዓባይ ብሪጣንያ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ንሃገራት ኣፍሪቃ ዝህቦ ድጎማ ምንካዩ "ኣዝዩ ዘቖጥዕን'ዩ" ክብል ኮኒንዎ።
ኢትዮጵያ፣ ኬንያ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ሞዛምቢክ፣ ሶማልያን ብመንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ይወሃበን ካብ ዝነበረ ድጋፍ ካብ ሞንጎ ዝንከየለን ሃገራት ኣፍሪቃ እየን። እዘን ሃገራት ብመንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ቀዳምነት ተዋሂብወን ድጋፍ ካብ ሞንጎ ዝግበረለን ከምዝኾና ይግለጽ።
ቤት-ፅሕፈት ጉዳይ ወፃኢ ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ዝተመረፃ ሃገራት ኣፍሪቃ "ሃገራዊ ረብሓ ማእኸል ዝገበረ ዝምድና ኣለና" እኳ እንተበለ፡ ነተን ሃገራት ዝህቦ ድጎማ ብፍርቂ ወይ ልዕሊኡ ከምዝንኪ'ዩ ተገሊፁ።
መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ንሃገራት ኣፍሪቃ ዝህቦ ድጋፍ ክንክይ ዝወሰነ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብሰንኪ ዘሕደሮ ፅልዋ ከምዝኾነ'ዩ ኣፍሊጡ።
ሓበሬታ ቤት-ፅሕፈት 'ፎሬን ዴቨሎፕመንት ኤንድ ኮመንዌልዝ' ከምዝሕብሮ፡ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዓባይ ብሪጣንያ 240.5 ሚልየን ፓውንድ ድጋፍ ረኺባ ኔራ። ነዚ ዓመት ዝግበር ድጋፍ ድማ 107.6 ሚልየን ፓውንድ'ዩ ተተሊሙ ዘሎ።
ሱዳን ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት 142.6 ሚልየን ፓውንድ ድጋፍ ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝረኸበት እንትትኾን፡ ንሎሚ ዓመት ድማ 68.4 ሚሊዮን ፓውንድ እዩ ተመዲቡላ። ንሶማልያ ዓሚ 121.1 ሚሊዮን ፓውንድ ዝተለገሰላ እንትኾን፡ ንዓመተ 2021 ከኣ 71.2 ሚሊዮን ፓውንድ'ዩ ተመዲቡላ።
ኬንያ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት 67.3 ሚሊዮን ፓውንድ ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ረኺባ ኔራ፤ ሎሚ ዓመት ድማ፡ 41.0 ሚልየን ፓውንድ ክትረክብ ምዃና ይግለጽ።
ዓባይ ብሪጣንያ ድጋፍ ካብ ዝነከየትለን ሃገራት፡ ኣብ ኬንያን ሶማልያን ወተሃደራዊ ስልጠና ትህበሎም መዓስከራት ኣለውዋ። ኣብ ሶማልያ ድማ ኣኽራርነት ንምቅላስ ድጋፍ ትገብር።
እንተኾነ ኮሚቴ ፓርላማ ዓባይ ብሪጣንያ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ንሃገራት ኣፍሪቃ ዝህቦ ድጎማ ምንካዩ "ግብዝተኛን ኣዝዩ ዘቖጥዕን'ዩ" ክብል ኮኒንዎ'ሎ።
ኢንተርናሽናል ዴቨሎፕመንት ዝተብሃለ ኮሚቴ፡ ብፍላይ ብጎንፂ ይሕቆና ካብ ዘለዋ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ብፍርቂ ወይ ድማ ልዕሊኡ ድጎማ ምንካዩ ግቡእ ኣይኮነን ኢሉ።
ሃገራት እዚ ዞባ ካብ ዝጠሓላሉ ሰብኣዊ ቅልውላው ብተወሳኺ፡ ለውጢ ከባቢ ኣየር ምስ ዘስዓቦ ፀገም'ውን ይቃለሳ ስለዘለዋ፡ ድጎማ ምንካይ ግቡእ ከምዘይነበረ፡ እቲ ኮሚቴ ገሊፁ።
ሓላፊት ኮሚቴ ዓለምለኻዊ ልምዓት ሳራ ቻምፒዮን፡ "እቲ ውሳነ ግብዝተኛ እዩ። ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ቀዳምነት ክወሃበን ንዝወፅአ ኣንፈት መንግስቲ ዝፃረር'ዩ" ክትብል ርኢቶኣ ሂባ።
እቲ ዞባ ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው፣ ጎንፂ፣ ለውጢ ኩነታት ኣየርን ብድሆታት ዕብየት ብዝኾኑ ማሕለኻታት ይፍተን ከምዘሎ እታ ሓላፊት ሓቢራ።
ዓባይ ብሪጣንያ፡ ካብ ሞንጎ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ሓደሓዲአን፡ ኣብ ሓለዋ ድሕንነት ንምድጋፍ ወተሃደራታ ስልጠና ክህቡ ከምትልእኽ ብምሕባር፡ " ስልጠና ንምሃብ ወተሃደራት ልኢኽና ክነብቅዕ፡ ንልምዓት ዘውዕልኦ ገንዘብ ምንካይ ትርጉም ኣይህብን" ክትብል ተዛሪባ።
ኣብ ዙርያ ልገሳ ዝሰርሑ ሰብሞያን ዲፕሎማትን ከምዝብልዎ፡ ንልምዓት ዝውዕል ድጎማን ጉዳይ ድሕንነትን ጎኒ ንጎኒ ምኻድ ይኽእሉ'ዮም። ልምዓት ንምድጋፍ ዝወሃብ ድጎማ፡ ድሕንነት ምስ ምውሓስን ምርግጋፅን ይዛመድ'ዩ።