እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላዉ ትግራይ፡ ኢትዮጵያ 5 ሚልዮን ደብዳቤታት ናብ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ክትስድድ እያ
ደገፍቲ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና፡ ኣብ ልዕሊ ፖሊሲ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ኲናት ትግራይ ጸቕጢ ንምግባር ሓሙሽተ ሚልዮን ደብዳቤታት ንፕረዚደንት ጆ ባይደን ንምስዳድ ጎስጓስ ጀሚሮም።
ወደብቲ ናይቲ "ንዋይት ሃውስ [ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት] ብጻዕዳ ደብዳቤታት ምዕልቕላቕ" ዝብል ወፍሪ፡ ካብ ሚልዮናት መንእሰያት ዝተላእከ ደብዳቤታት ካብ 25 መስከረም ጀሚሩ ክስደድ'ዩ።
ሓላፊ ናይቲ ምስ መንግስቲ ርክብ ከምዘለዎ ዝንገረሉ ማሕበር ምሕያል መንእሰያት ኣለማየሁ ሰይፉ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብቲ ብኲናት ትግራይ ዝተጸልወ ከባቢታት ዝርከቡ መንእሰያት፡ ነቲ ምስ ህወሓት ርክብ ዘለዎም ሓይልታት ትግራይ ዝገበርዎ "ክፉእ ስራሕ" ንምቅላዕ ተመኩሮታቶም ክጽሕፉ ምዃኖም ተዛሪቡ።
"መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገርና ኢድ ካብ ምእታዉ ክቑጠብ ኣለዎ። ካብ ኣፍጋኒስታን፡ ፓኪስታንን ሊብያን ክምሃሩ ኣለዎም" ይብል ኣቶ ኣለማየሁ።
ፕረዚደንት ባይደን ዝርከቦም ሓያሎ መራሕቲ ምዕራባውያን ሃገራት፡ ሰብመዚ ኢትዮጵያ ነቲ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝለሓመ ኲናት ትግራይ ደው ከብልዎ ክጽውዑ ምጽንሖም ይፍለጥ።
ኣብቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ግጭት፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተቐቲሎም፡ ሚልዮናት ተፈናቒሎም፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ድማ ኩነታት ዓጸቦ ኣጋጢምዎም ይርከብ። ናብቶም በቲ ኲናት ዝተጸልዉ ዝኣቱ ሰብኣዊ ረዲኤት ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ስለዝተዓናቐፍ ብድሆ ኮይኑዎም ከምዘሎ ትካላት ረዲኤት ይገልጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ነቲ ኲናት ፍታሕ ንምንዳይ ምስ ህወሓት ክዘራረብ ንዝቐረበሉ ጻውዒት ብቐጻሊ ክነጽጎ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ሓይልታት መንግስትን ትግራይን ዝተፈላለየ ግፍዕታትን ምግሃስ መሰላትን ፈጺሞም ተባሂሎም ይኽሰሱ። ክልቲኦም ግን ነቲ ክስታት ብምንጻግ ንሓድሕዶም ይካሰሱ።
እዚ በቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ ሰልፊ ዝግበር ዘሎ ጎስጓስ፡ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካን ምዕራባውያን መንግስታት ክቐንዕ ዝጸንሐ ኩነኔ እዩ።