እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሕቡራት ሃገራት ብዝሒ ኣብ ሱዳን ዝነበሩ ስደተኛታት ነክዩ፡ ናበይ ከም ዝኸዱ ግን ኣይፈለጥኩን ኢሉ
ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ቁጽሪ ኣብ ሱዳን ኣብ መዓስከራት ዝርከቡ ስደተኛታት ከም ዝነከየ፤ እንተኾነ ግን ናበይ ከም ዝኣተዉ ከም ዘይፈልጥ ገሊጹ።
እቲ ውድብ ከምዚ ዝበለ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ንስደተኛታት ዝወሃብ መለለዪ ካርዲ ዝሓዙ ውልቀሰባት ምስ ሓይልታት ትግራይ ተሰሊፎም ይዋግኡ ኣለዉ ዝብል ክሲ ምቕራቡ ስዒቡ እዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብሰኑይ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ካብ ዩኤንኤችሲአር መለለዪ ካርዲ ዘለዎም ዕጡቓት ናብ ክልላት ኣምሓራን ቤንሻንጉል ጉሙዝን ኣትዮም ኢሉ ከሲሱ ኣሎ።
ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ነዚ ክሲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ካብቲ መዓስክር ስደተኛታት ወጺኦም ዝኸዱ ስደተኛታት ናበይ ከምዝኣተዉ ዘረጋግጸሉ መገዲ ከምዘየለ'ውን ሓቢሩ ።
እንተኾነ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ፡ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት በዝሖም ብመጠኑ ከምዝነከየ ብምግላጽ፡ "ናብ ዓዶም ዝተመልሱ ስደተኛታት ሓዊሱ፡ ካብ'ቲ መዓስክር ዝወጽኡ ስደተኛታት ናበይ ከምዝኸዱ ከረጋግጽ ኣይክእልን" ኢሉ።
ኣብ ሱዳን ከም ስደተኛታት ዝመዝገቦም ገለ ስደተኛታት፡ ናብ ወግእ ኣትዮም ብዛዕባ ዝብል ጸብጻብ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ከምዝረአየ'ውን ሓቢሩ።
ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ኤኤፍፒ፡ ንሓደ በዓል ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ጸሪሑ፡ "ብዝሒ ስደተኛታት እናወሰኸ ምስ መጽአ ኣብ ዶብ ዕቑባ ዝሓቱ ስደተኛታት ሲቪላውያን ካብ ዕጡቓት እንፈልየሉ መስርሕ ኣለና" ከምዝበሎ ጸብጺቡ።
ካብዚ ብተወሳኺ "ኣብቲ መዓስከር ስደተኛታት ሱዳን ወተሃደራዊ ስልጠና ይወሃብ ኣሎ" ዝብል ክሲ ግን ዝተሰሓሓተ ከምዝኾነ እቲ በዓል ስልጣን ተዛሪቡ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ብወገኑ፡ "ህወሓት ዶብ ሱዳን ኣቋሪጹ ነቲ ጎንጺ ናብ ክልላት ኣምሓራን ቤንሻንጉል ጉሙዝን ከስፋፍሕ ፈቲኑ" ኢሉ።
"ሒደት መለለዪ ካርዲ ዩኤንኤችሲአር ዝሓዙ ዕጡቓት ህወሓት ብዶብ ሱዳን ክሰግሩ ሒዘ" ዝበለ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እዚ ምስ ዓለም ለኻዊ መትከላት ስደተኛታት ከምዝጻባእ ተዛሪቡ።
ዩኤንኤችሲአር ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ግና፡ "ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሶም ኣብ ጎንጺ ተሳታፊ ዝኾኑ ውልቀ ሰባት እንተሃልዮም፡ ከም ስደተኛታት ኣይቁጸሩን" ክብል ኣብሪሁ።
"ኣብ እዋን ጎንጺ መዓስከር ስደተኛታት ከም መቐበሊ ገይርካ ምጽናሕ ከቢድ እንተኾነ'ኳ፡ ምስ መንግስቲ ሱዳን ብምትሕብባር ነቲ መትከል ኣኽቢርና ክንሰርሕ ጸኒሕና ኢና" ኢሉ።
እቲ ትካል ነዚ መትከል ንምሕላው ክብል ድማ፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሲቪል ካብ ዕጡቓት ፈልዩ ከምዘስፍር ገሊጹ።
ኣብ ሱዳን ዝርከቡ መዓስክር ስደተኛታት መሕብኢ ዕጡቓት ኣይኮነን ድማ ኢሉ።
ቅድሚ ዓሰርተ ወርሒ ዝተኸስተ ኲናት ትግራይ ስዒቡ፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ሱዳን ሃዲሞም ኣብ መዓስከር ኣጽሊሎም ከምዝርከቡ ይፍለጥ።
ጉዳይ ስደተኛታት፣ ጎንጺ ዶብን ዛዕባ ግድብ ህዳሴን ንርክብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ክሕርፍፍ ምኽንያት ኮይኖም ኣለዉ።