ኣብ ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰባት ከምዝተቐተሉ ተገሊጹ

Published

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ወረዳ ኪራሙ ዕጡቓት ብ12 ነሓሰ 2013 ዓ.ም ብዝፈጸምዎ መጥቃዕትን ብዝነበረ ግጭትን ብዙሓት ሰባት ከምዝተቐተሉ ተገሊጹ።

ካብቲ መጥቃዕቲ ብህይወት ዝተረፉ ነብርትን ኣመሓዳሪ እቲ ዞባን ንቢቢሲ ከምዝሓበርዎ ብኣማኢት ዝቖጸሩ ሰባት ተቐቲሎም’ዮም።

ንድሕነቱ ብዝብል ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ሓደ ነባሪ፡ መንግስቲ ‘ኦነግ ሸኔ’ ክብል ዝጽውዖም ዕጡቓት ኣብቲ ከባቢ ከምዝንቀሳቐሱ ብምዝኽኻር ነቲ ቕትለት ዝፈጸመ ከኣ እቲ ጉጅለ ከምዝኾነ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ተወላዲ ኣምሓራ ዝኾነ እቲ ውልቀሰብ፡ ፍሉይ ሓይሊ መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ካብቲ ቦታ ምውጽኡ ስዒቡ እቶም ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ነበርቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ኣረዲኡ።

“እቶም ፍሉይ ሓይሊ ብ 11 ነሓሰ ምስወጽኡ ኦነግ ሸኔ ከኣ ብ 12 ወራር ጀሚሩ። ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎም’ዮም። ንጹሃን ተጨፍጪፎም። ንብረት ብሓዊ ዓንዩ” ክብል ነቲ ኩነታት ገሊጹ።

እቶም ነብርቲ ከምዝብልዎ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት በቲ መጥቃዕቲ ዝተቐተሉ ኮይኖም፡ ኣብዚ እዋን ልዕሊ 8 ሽሕ ሰባት ተፈናቒሎም። ንተፈናቐልቲ ዝበጽሐ ረድኤት ከምዘየለን ኣብ ጸገም ከምዝርከቡን ድማ ወሲኾም ሓቢሮም።

ኣመሓዳሪ ዞባ ምብረቕ ወለጋ ኣይተ ኣለማየሁ ተስፋ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ቅድሚ መዓልታት ኣብቲ ከባቢ ጎንጺ ከምዝነበረ ብምግላጽ “እቲ ጉድኣት ብኦነግ ሸኔን ዕጡቓት ኣምሓራን ተፈጺሙ” ኢሉ።

“ኣብቲ መጥቃዕቲ ሸፋቱ ሸኔን ተለኣኣኽቲ ጁንታን እዮም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምሓርን ኦሮሞን ተኹሲ ከፊቶም። ተዓጢቖም ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ኣምሓራ እውን ኣለዉ። ሕዚ እቲ ጎንጺ ደው ኢሉ’ሎ” ክብል ተዛሪቡ።

ኣብቲ ከባቢ ከምዝንቀሳቐሱ ዝገለጾም “ሸፋቱ ሸኔን ዕጡቓት ኣምሓራን” ልውውጥ ተኹሲ ከምዝገበሩ ብምግላጽ “እዞም ክልተ ጉጅለታት ነሓድሕዶም ተታዂሶም’ዮም። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ’ውን ተኲሶም” ኢሉ እቲ ኣመሓዳሪ።

ዕላማ ክልቲኦም ዕጡቓት “ንዓመታት ሓቢሩ ብሰላም ዝነበረ ብሄር ክጓነጽ ንምግባር’ዩ” ብምባል ድማ ኣብቲ ጎንጺ ህይወት ሰብ ከምዝጠፍአን ብዙሓት ሰባት ካብ ዝነብሩሉ ከባቢ ከምዝተፈናቐሉን ኣረጋጊጹ።

ኣብዚ እዋን እቲ ከባቢ ናብ ምርግጋእ ከምዝተመለሰን ዝተፈናቐሉ መሊስካ እግሪ ክተኽሉ ንምግባር ብዝምልከቶም ሓለፍቲ ምርብራብ ይግበር ከምዘሎ ገሊጹ።

ጎንጺ ኣብ ሞንጎ ተወለድቲ ኣምሓራን ኦሮሞን

ካልእ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነባሪ ግን እቲ ጎንጺ ኣብ ሞንጎ ተወለድቲ ኦሮሞን ኣምሓራን ከምዝነበረ ብምግላጽ እቲ ጉድኣት እውን ብሰንኪ’ዚ ከምዘጋጠመ ኣረዲኦም።

“ኣብ ሞንጎ ማሕበረሰብ ኣምሓራን ኦሮሞን ጎንጺ ነይሩ። ካብ ነዊሕ እዋን ጀሚሩ ኣብዚ ዝነብሩ ተወለድቲ ኣምሓራ ኣለዉ። ቅድሚ ሎሚ ተፈጢሩ ንዝነበረ ጎንጺ ስዒቡ ናብ ክልሎም ከይዶም’ኳ እንተነበሩ ጸኒሖም ግን ደቂኣንስትዮን ህጻናቶምን ገዲፎም ናብቲ ከባቢ ተመሊሶም ብምምጻእ ምስ ማሕበረሰብ ኦሮሞ ተጋጭዮም” ኢሎም እቶም ተወላዲ ኦሮሞ።

እቶም ነባሪ ነዚ እንትብሉ፤ ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ኣይተ ኣለማየሁ ግን ካብ ክልል ኣምሓራ ናብቲ ከባቢ ዝኣተወ ዕጡቕ ከምዘየለ ተዛሪቡ።

“ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሕ’ዩ ዝዝረብ። ብዝተፈላለዩ መገድታት ብሄራት ክበኣሱ ይግበር። ኮይኑ ግን ካብ ካልእ ከባቢ ኣትዮም ብዛዕባ ዝባሃሉ ዕጡቓት ዝኾ ዓይነት ሓበሬታ የብለይን። እንተሃልዩ ክነጻርዮ ኢና” ኢሎ ኣይተ ኣለማየሁ ተስፋ።

ቢቢሲ በቲ መጥቃዕቲ ተቐቲሎም ናይ ዝባሃሉ ሰባት ቁጽሪ ንምጽራይ ጻዕሪ ዝገበረ ኮይኑ ዝተፈላለየ ኣሃዛት ረኺቡ’ሎ። ብሓፈሻ ግን ብዙሓት ሰባት ከምዝሞቱ ይግለጽ።

መንበሪ ገዛውቲ ከምዝተቓጸሉን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ካብ መረበቶም ተፈናቒሎም ናብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ከምዝኸዱን ተሓቢሩ’ሎ።

መንግስቲ ሸኔ ክብል ዝጽውዖን ብኣሸባርነት ዝፈረጆን ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ህወሓት ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሐ ዘፍለጠ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ፤ ዕጡቓቱ ኣብቲ ሎሚ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ከባቢ ቅድም ክብል’ውን መጥቃዕቲ ፈጺሞም ምንባሮም ይዝከር።