ኢትዮጵያ፡ ምትእትታው ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ 'ሓጋዚ' ኣይኮነን ኢላ

Published

ኢትዮጵያ ኣብቲ ንነዊሕ እዋን ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳይ ዓባዪ ግድብ ህዳሰ፡ ሕቡራት ሃገራት ጣልቃ ምእታዉ "ሓጋዚ" ኣይኮነን ኢላ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ " ከይዲ ናይቲ ዘተ ተጓቲቱን ፖለቲካዊ መልክዕ ክሕዝ ተገይሩን ምርኣይ የሕዝን'ዩ" ክብል ገሊጹ።

ብተወሳኺ "እዚ ውጽኢታዊ ከምዘይኮነን እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምውሳድ እውን ዘይጠቅምን ካብ ሓላፍነት እቲ ቤት ምኽሪ ወጻኢ ምዃኑን ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ቅዋማ ግልጺ ገይራ እያ" ኢሉ።

ኢትዮጵያ፡ ህንጸት እቲ ህዳሰ ኢላ ዝሰየመቶ ዓብዪ ግድብ፡ ምስ ኣብ ታሕተዋይ ተፋሰስ ናይል ምስ ዝርከባ ሃገራት ሱዳንን ግብጽን ንዓሰርተ ዓመት ከሰሓሕባ ጸኒሑ እዩ።

እታ ሃገር ትማሊ ኣብ ዘውጸአቶ መግለጺ፡ ንጉዳያት ሰለስቲአን ሃገራት ንምፍታሕ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝመርሖ ዘተ ጠቓሚ ከምዝኾነን ፡ እቲ ከይዲ ክሰልጥ ብተወፋይነት ከምእትሰርሕን ገሊጻ ኣላ።

ህንጸት እቲ ግድብ ንዕብየታ ኣዝዩ ጠቓሚ ከምዝኾነ እትገልጽ ኢትዮጵያ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ጀሚራ ኣላ። ሃገራት ሱዳንን ግብጽን ግና መጠን ቀረብ ማይ ዜጋታተን ከጉድለልና ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣለወን።

ህንጸት ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ምስተዛዘመ፡ 6 ሽሕ ሜጋ ዋት ጸዓት ብምፍራይ፡ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ክኸውን እዩ። 65 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ድማ፡ ካብ'ዚ ጸዓት ተረባሕቲ ክኾኑ ትጽቢት ይግበር።

ኣብ 2011 ዝጀመረ ህንጸት እቲ ግድብ፡ ኣብቲ ንፈለግ ናይል 85 ሚእታዊት ማይ ዘበርክት ሩባ ኣባይ'ዩ ዝህነጽ ዘሎ።