እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቤት ፍርዲ ብቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ጥላሁን ያሚ ዝርከቦም ሰለስተ ሰባት ገበነኛታት ኢልዎም
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል፡ ካብቶም ምስ ቅትለት ውሩይ ስነ ጥበባዊ ሓጫሉ ሁንዴሳ ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀይዲ ዝነበሩ ሰለስተ ሰባት 'ገበነኛታት'ዮም' ኢልዎም።
እቶም ገበነኛታት ዝተብሃሉ ቀዳማይ ተኸሳሲ ጥላሁን ያሚ፡ ካልኣይ ተኸሳሲ ከበደ ገመቹን ሳልሳይ ተኸሳሲ ኣብዲ ኣለማየሁን እዮም።
እቲ ቤት ፍርዲ ዓቓቢ ሕጊ ንዘቕረቦም ሰነዳትን ናይ ዓይኒ መሰኻክርን ከምኡ'ውን ቃል ክሱሳትን ከምዝሰመዐ ገሊጹ።
ንሃጫሉ ሁንዴሳ ብሽጉጥ ቶኵሱ ብምቅታል ዝተኸሰሰ ቀዳማይ ተኸሳሲ ጥላሁን ያሚ፡ ቅድሚ ሕጂ ነቲ ገበን ከምዘይፈጸሞን ቃሉ ክህብ እንከሎ ብፖሊስ ከምዝተሃረመን ብሓይሊ 'እወ ቀቲለ'የ' ክብል ከምዝተገደደ'ዩ ንቤት ፍርዲ ሓቢሩ ነይሩ።
እንተኾነ እቲ ቤት ፍርዲ፡ ክሱስ ጥላሁን ንፖሊስ ቃሉ ክህብ እንከሎ ዝተሰኣለ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ብምዕዛብ ቃሉ ኣብ ዝሃበሉ ዝኾነ ተጽዕኖ ከምዘይተፈጠረሉ ከረጋግጽ ክኢለ'የ ኢሉ።
ካብዚ ብተወሳኺ ክሱስ ጥላሁን፡ ብፖሊስ ኣብ ዝተሃረመሉ ኣብ እግሩ ከምዝተሃሰየ ሓቢሩ ነይሩ'ዩ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ግን ጥላሁን ነቲ ገበን ከመይ ከምዝፈጸሞ እናተንቀሳቐሰ ንፖሊስ እናኣርኣዮም እንከሎ ዝተሰኣለ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ከምዝርኣየን ከምኡ'ውን ነቲ ብፖሊስ ተሃሪመ እየ ዝበሎ ዝኾነ ምልክት ይኹን ስምብራት ከርኢ ከምዘይከኣለ ገሊጹ።
እቲ ቤት ፍርዲ ቀዳማይ ተኸሳሲ ጥላሁን ያሚ ዘቕረቦ ናይ ነብሰ ምክልኻል መርትዖታት ንሓድሕዱ ዝጋጮ ኮይኑ ከምዝረኸቦ'ዩ ዝገልጽ።
እቲ ጥላሁን ገበነኛ ተባሂልሉ ዘሎ ገበን ካብ 15 ዓመት ማእሰርቲ ክሳብ ሞት ከቅጽዕ ዝኽእል ከምዝኾነ'ዩ ዝግለጽ።
እቲ ቤት ፍርዲ፡ ንካልኣይ ተኸሳሲ ከበደ ገመቹ'ውን ገበነኛ ክብሎ እንከሎ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ካልኣይ ተኸሳሲ ገበነኛ'ዩ ንምባል ካብ ዝተጠቀመሎም መርትዖታት ሓደ ናይ ተሌፎን ቅዳሕ ድምጺ'ዩ።
ከበደ ገመቹ ብሕጊ ኣብ ዝድለየሉ ዝነበረ እዋን ኣብ ህድማ እዩ ነይሩ፡ ካብ ፖሊስን ሕግን ኣብ ዝሃድመሉ ዝነበረ እዋን ኸኣ ብቴሌፎኑ ካብ ፖሊስ ይሃድም ከምዘሎ ይዛረብ ከምዝነበረ ዘረጋግጽ እቲ ቤት ፍርዲ ቅዳሕ ድምጺ ምስምዑ ገሊጹ።
እቲ ቤት ፍርዲ ካልኣይ ተኸሳሲ ከበደ ገመቹ ዘቕረቦ ናይ ነብሰ ምክልኻል መርትዖታት ንሓድሕዱ ዝጋጮ ኮይኑ ከምዝረኸቦ'ዩ ዝገልጽ።
ከበደ ገመቹ ቅድሚ ሕጂ ንቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ምስ ቀዳማይ ተኸሳሲ ጥላሁን ያሚ 'ንሰብ ሃሪምና ንስረቅ' ተባሃሂሎም ምንባሮም ገሊጹ ነይሩ'ዩ።
ከበደ ገመቹ በዚ ገበነኛ ተባሂልሉ ዘሎ ካብ 5 ክሳብ 20 ዓመት ክእሰር ከምዝኽእል እዩ ዝግለጽ።
ብ10 ሽሕ ብር ዋሕስ ካብ ቀይዲ ተፈንዩ ጉዳዩ ብደገ ኮይኑ ክከታተል ዝጸንሐ ሳልሳይ ተኸሳሲ ኣብዲ ኣለማዩሁ'ውን ቤት ፍርዲ ገበነኛ ኢልዎ ኣሎ።
እቲ ቤት ፍርዲ ሳልሳይ ተኸሳሲ ኣብዲ ኣለማዩሁ፡ ገበነኛ ስለዝኾነ ዋሕሱ ተላዒሉ ኣብ ቀይዲ ክኣቱ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።
ኣብዲ፡ እቲ ገበን ክፍጸም እንከሎ ብዓይኑ ርእዩ ብመሰረት ገበናዊ ሕጊ ዓንቀጽ 443 እዝባር 1 ንዝምልከቶ ኣካል ስለዘይሓበረ እዩ ገበነኛ ተባሂሉ ዘሎ።
ፍሉጥ ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ወርሐ ሰነ ምሸት ሰዓት ትሽዓተን ፈረቓን ኣብ ጥቃ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ገዝኡ ብጥይት ተቐቲሉ።
ቤት ፍርዲ ምስ ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ምትእስሳር ኣለዎም ንዝበሎም ኣርባዕተ ሰባት ጉዳዮም ክኸታተሎ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ቤት ፍርዲ ነታ ራባዓይቲ ተኸሳሲትን ሓጫሉ ሁንዴሳ ንኽቕተል ነገራት ኣጣጢሓ ዝተበሃለት ላምሮን ከማል፡ ናይ ሰነደ መርትዖ ስለዘይተረኸባ ነጻ ከምዝበላ እኳ ገሊጹ እንተነበረ፡ ኣኽባሪ ሕጊ ንውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ ብምቅዋም ኣቤቱታ ስለዘቕረብ፡ እቲ ጉዳያ ከምብሓድሽ ክርአ ቆጸራ ተታሒዙላ ኣሎ።