ኤቨር ግሪን፡ ግብጺ ንመትረብ ስዊጽ ዓጽያ ዝነበረት መርከብ ክትፍንዋ ተሰማሚዓ

Published

ኣብ ወርሒ መጋቢት ን6 መዓልታ ንመስመር መትረብ ስዊጽ ዓጽያ ዝነበረት ኤቨርግሪን ዝተብሃለት ዓባይ መርከብ፡ ዋና እታ መርከብን መድሕን ዝኣተውላ ትካልን ንመንግስቲ ግብጺ ካሕሳ ክኸፍሉ ስለዝተሰማምዑ ጽባሕ ካብቲ መልሕቓ ደርብያትሉ ዝነበት ቀላይ ነጻ ክትወጽእ'ያ።

መንግስቲ ግብጺ ካብ ዋና እታ መርከብን ካብቲ ትካል መድሕንን ክንደይ ገንዘብ ክቕበል ከምዝተሰማማዐ'ኳ እንተዘይተገለጸ፡ መንግስቲ ግብጺ ኣቕድም ኣቢሉ ትሕቲ 550 ሚልዮን ዶላር ከምዘይቕበል ሓቢሩ ነይሩ'ዩ።

እታ ልዕሊ 400 ሜትሪ ቁመትን 59 ሜትሮ ጎድንን ዘለዋ መርከብ ኤቨርግሪን ኣብ ወርሒ መጋቢት ካብ ቀይሕ ባሕሪ ንማእከላይ ባሕሪ እናሰገረት እንከላ ብሰንኪ ንፋስ ነቲ ጸቢብ መትረብ ስዊጽ ምሉእ ንምሉእ ስለዝዓጸወቶ እቲ ዓቢ ንግዳዊ መስመር ንመዓልታት ተረጊጡ ነይሩ።

መንግስቲ ግብጺ፡ ነታ መርከብ ንምውጻእ ዘውጻእክዎ ወጻእን ብሰንኪ እቲ መስመር ምዕጻዉ ዝወረደኒ ከሳራን ክከሓስ ይግብኣኒ'ዩ ብምባል እዩ ነታ መርከብ ከም ጅሆ ሒዝዋ ጸኒሑ።

እቲ 193 ኪሎሜተር ንውሓት ዘለዎ መትረብ ስዊጽ ብሰንኪ ምሽካል መርከብ ኤቨር ግሪን ንሽዱሽተ ተኸታተልቲ መዓልታ ስለዝተዓጸወ፡ ብዙሓት ካብን ናብን ኣውሮጳ ኤስያ ዝመላለሳ መራኽብ በቲ ዝነወሐ መስመር ደቡብ ኣፍሪቃ ክጠይቐማ ተገዲደን ነይረን እየን።

እቲ ነታ መርከብ መድሕን [ኢንሹራንስ] ዝህብ ዩኸይ ክለብ እተብሃለ ትካል ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "ኣብ ሞንጎና ኣብ ሞንጎ ሰብ መዚ መትረብ ስዊጽን ነቲ ካሕሳ ዝምልከት ኣብ ሓደ ስምምዕ ተበጺሑ ኣሎ" ኢሉ።

ሰብ መዚ መትረብ ስዊጽ ብወገኖም፡ እታ መርከብ ጽባሕ ረቡዕ ከምእትፍኖ ገሊጾም ኣለዉ።

ክልቲኦም ወገን መጠን ናይቲ ካሕሳ እኳ እንተዘይገለጹ፡ ኣቦ ወንበር ሰብ መዚ ስዊዝ ካናል ዖሳማ ራቢ፡ ከም ኣካል እቲ ስምምዕ ሓንቲ ንመራኽብ ትስሕብን ናብ ወደብ ተጸግዕን ጃልባ [ታግ ቦት] ክውሃቡ ምዃኖም ገሊጹ'ሎ።

ሰብ መዚ መትረብ ስዊጽ ኣብ መጀመርታ 916 ሚልዮን ዲላር እዮም ካሕሳ ሓቲቶም ነይሮም። ትካል መድሕን ዩከይ ክለብ ግን 'እዚ ኣዝዩ ዝተጋነነ እዩ' ብምባል በቲ መጠን ከምዘይሰማማዕ ብወግዒ ገሊጹ።

ጸኒሖም ድማ ነቲ ጠለቦም ናብ 550 ሚልዮን ዶላር እኳ እንተኣጉደልዎ፡ ዋና እቲ መርከብን እቲ ትካል መድሕንን ግን 150 ሚልዮን ዶላር ክኸፍሉ ድልዋት ምህላዎም'ዮም ብኣጋ ገሊጾም።