እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ 20 መንነቶም ዘይተፈለጠ ሬሳታት ረኺቡ
Published
ንባብ: 1 ደቓይቕ
ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ኦርክነይ ዝተብሃለ ዘይሕጋዊ ዕደና ዝካየደሉ ቦታ 20 መንነቶም ዘይተፈለጡ ሬሳታት ድሕሪ ምርካቡ፡ ጠንቂ ሞት እቶም ግዳያትን መንነቶም ንምፍላጥ መርመራ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።
ፖሊስ እቲ ሬሳታት ብጻዕዳ ፕላስቲክ ተጠቅሊሉ ከምዝጸነሖ ብምግላጽ፡ እቶም ግዳያት ዘይሕጋውያን ዓደንቲ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ገሊጹ።
ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "እቶም ግዳያት ብልምዳዊ ኣጸዋውዓ ዛማ ዛማስ ተባሂሎም ዝጽውዑ ኣብ ከባቢታት ኦርክነይን ስቲልፎነተይን ዘይሕጋዊ ዕደና ዘካይዱ ዝነበሩ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም" ኢሉ።
እቶም ሬሳታት ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ኣካላቶም ብርቱዕ መንደድቲ ከምዝነበሮምን ቀንዲ ጠንቂ ሞቶም ንምፍላጥ እቲ ሬሳታት መርመራ ይግበረሉ ከምዘሎን'ውን ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ ኣሎ።
እቲ ሬሳታት ኣብ ክልተ ቦታታት እዩ ተረኺቡ።
እቲ ሓሙሽተ ሬሳታት ብሰሉስ ኣብ ላውረንስ ፖርክ ዝብሃል ቦታ ኣብ ጥቃ ሓደ ካብ ስራሕ ወጻኢ ዝኾነ ዓቢ መዐደኒ ማሽን ክርከብ እንከሎ፡ 15 ዝመሽመሸ ሬሳ ከኣ ብረቡዕ ኣሪሶን ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ጎዶና ኣብ ጥቃ መንገዲ ባቡር'ዩ ተረኺቡ።