ቻይና፡ ኔቶ 'ኣብ መሬት ንዘየለ ስግኣት ጸጥታ ኣጋኒኑ ይምዝምዞ ኣሎ' ክትብል ከሲሳ

ወተሃደራዊ ምርኢት ቻይና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ቻይና፡ ኣባል ሃገራት ኔቶ ትማሊ እታ ሃገር ንዓለም ለኻዊ ርክባት ብምጥሓስ 'ንድሕነትና ስግኣት ትኸውን ኣላ' ምባለን ስዒቡ ግብረ መልሲ ሂባትሉ።

ወተሃደራዊ ኪዳን ኣትላንቲክ 'ኔቶ'፡ ቻይና ዘይግቡእ ኣጽዋራት ኑክሌር ተማዕብል ከም ዘላን ምስ ሩስያ ሚስጢራዊ ወተሃደራዊ ምትሕብባራት ትገብር ከም ዘላን ከሲሱ እዩ።

እዚ ሓያል ወተሃደራዊ ኪዳን፡ ንቻይና ከም ኣጀንዳ ገይሩ ክዘረራረብ ንፈለማ እዋን እዩ ተባሂሉ።

ቻይና ግን፡ ኣብ ዝሃበቶ ግብረ መልሲ ወተሃደራዊ ፖሊሲኣ ኣብ ምክልኻል ዘትኮረ ከም ዝኾነ ብምጥቃስ እቲ ኪዳን 'ኣብ ዓውዲ ዝርርብ' እንዘትኩር ምሓሽ ክትብል ገሊጻ።

እዚ ግብረ መልሲ፡ ብኤምባሲ ቻይና ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ኣቢሉ እዩ ትማሊ ወጺኡ።

እቲ መግለጺ፡ ኔቶ 'ነቲ ወተሃደራዊ ዕቤትን ምዕባለን ቻይና ከም ሃገራዊ መሰልን ርትዓውን' ገይሩ ክሪኦ ይሓትት።

"ምዝማን ወተሃደራዊ ዓውድታት ቻይና ግልጺ፣ ርትዓውን ፍትሓውን እዩ፤ ብኸምኡ ድማ ክረአ ይግባእ" እዩ ይብል።

እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ እቲ ብፍላይ ብኣመሪካ ከም ዝምወል ዝንገረሉ ወተሃደራዊ ኪዳን ኣትላንቲክ ንደንበታት ፖለቲካ ኣብ ረብሓ ከም ዝወዓለን ጂኦፖለቲካዊ ቅርሕንቲ ዘተኣታቱ ከም ዝኾነን ገሊጹ።

እተን ኣባል ሃገራት እቲ ኪዳን፡ ንሩስያ'ውን ስግኣት ገይረን ከምዝሪኣኣ ኣብ'ቲ መግለጺአን ኣብሪሀን ኣለዋ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ምስ'ቲ ክነቕፎ ዝቐነየ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ጽባሕ ኣብ ጀኔቫ ተራኺቡ ክዝቲ ትጽቢት ይግበረሉ።

ኔቶ ስለምንታይ እዩ ኣብ ቻይና ዘትኩር ዘሎ ?

ዋና ጸሓፊ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ)፡ "እናማዕባለ ንዝመጽእ ዘሎ ሓይሊ ቻይና ግብረመልሲ ምሃብ ከድሊ'ዩ" ክብል ተዛሪቡ።

መግለጺ ቕዋም እቲ ዋዕላ ከም ዝብሎ 'ባህግታትን ባህርያትን ቻይና ነቲ ሕጊ-መሰረት ዝገበረ ዓለምለኻዊ ርክባት ንሓደጋ ዘሳጥሕን ንረብሓታት ሃገራት እቲ ልፍንቲ ዝጻባእን እዩ' ዝብል ይርከቦ።

ብምቕጻል፡ ቻይና ኣጽዋራት ኑክሌር ተስፋፍሕ ከም ዘላን ምስ ሩስያ ዘይግቡእ ወተሃደራዊ ምትሕብባራት ተሳልጥ ከም ዘላን ይኸስስ።

"ግልጽነት ዝጎደሎ ምንቅስቓስ ቻይናን፤ እተቃልሖ ዘላ ስኑዕ ሓበሬታን ኣዝዩ ዘሻቕል እዩ" ይብል እቲ ቅዋም።

ቻይና ካብቶም ኣብ ዓለም ዝዓበየ ወተሃደራውን ቁጠባውን ዝውንኑ ሃገራት ሓንቲ ኮይና፡ እቲ ኮሚኒስታዊ ገዛኢ ውድብ እታ ሃገር ፖለቲካዊ ኮነ ማሕበራዊ ህይወት ዜጋታት ብጥብቂ ዝቆጻጸር እዩ።

ኔቶ እቲ መዓልታዊ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ወተሃደራዊ ዓቕምታት ቻይና ስግኣት ኣባላቱ እናኾነ ዝመጽአ ይመስል።

ከምኡ'ውን እታ ሃገር ኣብ ኣፍሪቃ እትምስርቶ ዘላ ወተሃደራዊ መዓስክራት፡ ነቲ ልፍንቲ ድቃስ ዝኸልእ እዩ።

ኔቶ ነዚ ተሪር ቅዋም ዝሓዘ፡ ንቻይና ዝነቅፍ መግለጺ ብምውጽኡ እዩ ቻይና 'ዝተጋነነ ስግኣት' ዝብል ግብረ መልሲ ትህብ ዘላ።

ኣብ ለንደን ብዝርከብ ኤምባሲኣ ኣቢላ ድማ፡ ነቲ ብጉጅለ ሸውዓተ ዝወጽአ መግለጺ 'ኣብ ሕሶት፣ ሓሜትን በለካ ለኽዐካን ዝተመስረተ' ክትብል ነጺጋቶ ምንባራ ዝዝከር እዩ።

ብዛዕባ ዋዕላ ኪዳን -ኔቶ

ኣመሪካ እትርከበን ኣባላት ሃገራት ናይቲ ኪዳን፡ ኣብቲ ኣብ ብራስለስ ቤልጂም ንሓደ መዓልቲ ዝተኻየደ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ተሳቲፈን።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንፈለማ እዋን'ዩ ኣብ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኔቶ ተሳቲፉ።

ጆ ባይደን ፡ ነቲ 72 ዓመታት ዘቑጸረ ልፍንቲ፡ መሊስካ ንምጥንካር ሃገሩ ብትሪ ክትሰርሕ ምዃና ቃል ኣትዩ ኣሎ።

ነፍሲ ወከፍ ኣባላት፡ ድሕነተን ንምውሓስ ዝምልከት ዓንቀጽ 5 ቻርተር እቲ ኪዳን ንምኽባር ሃገሩ 'መንፈሳዊ ግዴታ' ከም ዘለዋ ተዛሪቡ።

እቲ ኪዳን፡ ብ12 ሃገራት ዝተመስረተ ኾይኑ፡ ኣብ'ዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ 30 ሃገራት ሰሜን ኣመሪካን ኣውሮጳን ኣባል ዝገበረ ገዚፍ ፖለቲካዊን ወተሃደራውን ትርጉም ዘለዎ ልፍንቲ እዩ።

ኔቶ፡ ፈለማ ብ12 ኣባል ሃገራት ኣብ ጽንሰ ሓሳብ፡ 'ሓበራዊ ድሕነት' ተመስሪቱ እዩ ብ1949 ተጣይሹ።