ህንዲ፡ 'መራሒ ዝዓበየ ስድራ' ዓለም ተባሂሎም ዝፍለጡ ኣቦ 36 ደቂ-ደቆም ርእዮም ሓሊፎም

ኣብ ዓለምና 'ዝበዝሐ ቤተሰብ ዘለዎም መራሒ ስድራ' ሽማግለ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ኣብ ሃገረ ህንዲ ዝሰፍሐ ስድራ ከምዝመርሑ ዝእመነሎም ወዲ 76 ሽማግለ ዓሪፎም።

እቶም ሽማግለ: ኣብ ህንዲ ሞሚዞራም እናተብሃለት ኣብ እትዕጽዋዕ ዓዲ ነባሪ ኮይኖም ትማሊ ሰንበት ከምዝዓረፉ ተገሊጹ።

ዚዮና ቻና ይበሃሉ። ሰዓቢ ናይ ሓደ ብዙሓት ኣንስቲ ምምርዓው ዝፈቅድ ሃይማኖት እዮም ነይሮም።

ኣቶ ቻና፡ 38 ኣንስቲ ዘእተዉ ኾይኖም፤ ኣቦ 89 ቆልዑ እዮም: 36 ደቂደቆም ሪኦም ድማ ሓሊፎም።

ናይቶም ሽማግለ ምሟት ብሰብ መዚ እቲ ከባቢ ዝተረጋገጸ ኾይኑ፡ ኣማሓዳሪ እቲ ከባቢ ዝተሰመዖ ሓዘን ኣብ ትዊተሩ ኣስፊሩ።

ጸቕጢ ደምን ሕማም ሽኮርን [ዲያቤትስ] ከምዝነበሮም: ክትትል ዝገብርሎም ዝነበሩ ሰብ ሞያ ሕክምና ገሊጾም።

እቶም ሰብ ሞያ ሕክምና ከምዝብልዎ፡ ቻና ኣብ መንበሪ ገዘኦም እናሃለዉ እቲ ሕማም ሓይልዎም ከምዝቐነየን፡ ናብ ሕክምና ምስተወስዱ: ብዕለተ ሰንበት: ኣጋ ምሸት ዓሪፎም።

ቻና፡ 'ኣብ ዓለምና እቲ ዝዓበየ ስድራ ዝመርሑ' ተባሂሎም ዝፍለጡ እንተኾኑ'ኳ፡ ካልኦት ክልተ ሰባት ድማ ናይ ዓለምና 'ዝዓበየ ስድራ መራሒ' ዝብል መዓርግ ክወሃቦም ሕቶ ዘቕርቡ ኣለዉ።

ብርግጽ፡ ቻና ዝወለድዎም ደቆም ብዝሖም ብልክዕ 'ክንድዚ' ኢልካ ምግማት ከምዘይከኣል'ውን ይዝረብ።

ቅድም ክብል፡ እቶም ሽማግለ ካብ 39 ኣንስቲ 94 ቆልዑ ምውላዶም ከምኡ'ውን 33 ደቂደቆም ምርኣዮም ተጸብጺቡ ነይሩ።

እዚ ድማ፡ ንባዕሎምን ኣንስቶምን ሓዊሱ፡ ብዝሒ'ቲ ዓቢ ስድራ ብሓፈሻ 181 ምብጸሖም የመልክት።

መራኸቢ ብዙሓን'ታ ሃገር፡ ነቶም ብሰንበት ዝዓረፉ ሽማግለ 'ኣብ ዓለምና ዝበዝሐ ቤተሰብ ዘለዎም መራሒ ስድራ' እናበሉ'ኳ እንተጸውዕዎም፡ እቲ ክብረ ወሰን ብመን ከምዝተትሓዘ ግን ንጹር ሓበሬታ ኣይተረኽበን።

ቻናን ስድረኦምን፡ ናይ ብዙሓት ትኹረት ዝሰሓቡ እንትኾኑ፡ ናብቲ ዝነብርሉ ስፍራ ብዙሓት በጻሕቲ ክተሙ ይራኣዩ።

ዘደንቕ ህይወት ቻና፡ ናይ ብዙሓት መራኸቢ ብዙሓን ርእሰ ጉዳይ ኮይኑ ክጽብጸብ ጸኒሑ እዩ።

እዚ ሰፊሕ ስድራ፡ 100 ክፍልታት ኣብ ዘለዎ በዓል ኣርባዕተ ደርቢ ህንጻ እዩ ዝነብር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እቲ ዓቢ ስድራቤት ዝነብረሉ 1000 ክፍልታት ዘለዎ ህንጻ መስሕብ በጻሕቲ ምዃኑ ይፍለጥ

እዚ ሰፊሕ ስድራ፡ 100 ክፍልታት ኣብ ዘለዎ በዓል ኣርባዕተ ደርቢ ህንጻ እዩ ዝነብር።

እተን ኣንስቶም ድማ፡ ኣብ ጥቓ ናቱ መደቀሲ ክፍሊ ብሓንሳብ እየን ዝነብራ ተባሂሉ።

ብፍላይ እቲ እቶም ሽማግለን ኣንሽቶምን ዝነብርሉ መንበሪ ገዛ፡ ናይ ብዙሓት ኣጋይሽ ትኹረት ዝስሕብ እዩ።

ሮይተርስ ከምዝጸብጸቦ፡ ቻና ኣብ 1945 እዮም ተወሊዶም። ኣብ 17 ዓመቶም ድማ፡ ብሰለስተ ዓመት እትበልጾም ፈላመይቲ መርዓት ኣእትዮም።

ቻና ዝኽተልዎ ሃይማኖት 2000 ሰዓብቲ ዘለውዎ ኾይኑ፡ ኣብ 1942 ብኣቦሓጎኦም ዝተመስረተ ከምዝኾነ እዩ ዝዝረብ።

እዚ 'ቻና ፓውል' እናተብሃለ ዝጽዋዕ እምነት፡ ደቂ ተባዕትዮ ካብ ሓንቲ ንላዕሊ ሰበይቲ ክምርዓዉ ዘፍቅድ እዩ።