ሶማሊያ፡ ሓደ ዕጡቕ ኣብ ሓደ ወተሃደራዊ መዓስክር ሞቓዲሾ 10 ሰባት ቀቲሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
Published
ኣብ ርእሰ ከተማ ሶማልያ፡ ሞቃዲሾ፡ ኣብ ሓደ ወተሃደራዊ መዓስክር ብሓደ ርእሰ- ቕትለታዊ መጥቃዕቲ ዝተፈንጀረ ቦምባ 10 ሰባት ቀቲሉ።
መብዛሕትኦም ካብቶም ቁሱላት፡ ሽዑ ንሽዑ ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወስዱ መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ኤኤፍፒ ከም ዝጸብጸቦ፡ እቲ ርእሰ-መቕተልታዊ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ፡ ኣብ ደገ'ቲ መዓስክርን ሓደሽቲ ሰልጠንቲ ይጽበ ነይሩ።
ዛጊድ ነቲ መጥቃዕቲ 'ኣነ እየ ፈጺመዮ' ኢሉ ሓላፍነት ዝወሰደ ጉጅለ እኳ እንተዘይሃለወ ኣብታ ሃገር ማእከላት ጸጥታ ዒላማ እስላማዊ ጉጅለ ዓልሻባብ እንትኾኑ ልሙድ እዩ።
መራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር፡ ንሓደ ወተሃደራዊ መኮነን ጠቒሰን ከም ዝጸብጸብኦ፡ በቲ መጥቃዕቲ 10 ሰባት ሞይቶም ኣለዉ።
እንተኾነ ሮይርስ ዘዛረቦ ኣብ'ቲ ሆስፒታል ዝሰርሕ ምስክር ዓይኒ፡ 15 ሬሳ ከም ዝቖጸረ ገሊጹ።
ኤኤፍፒ ብወገኑ፡ ሞሓመድ ኣደን ዝተባህለ ወደተሃደራዊ ሓላፊ ጠቒሱ፡ 10 ሰባት ከም ዝሞቱ ጸብጺቡ ኣሎ።
ኣልሸባብ፡ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መንግስቲ'ታ ሃገር ብምቅዋም፡ ንልዕሊ 10 ዓመታት ይቃለስ ኣሎ።
ኣብቲ ከባቢ፡ ገለ ሓይልታት ኣኽባሪ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ መንግስቲ ጸጥታዊ ድጋፍ እናገበሩ ይርከቡ።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
