ከተማ ሆንኮንግ: 32 ሚልዮን ዶላር ብጎሓሉ ዝተዘምተት ጓል 90 ዓመት ብዓልቲ ጸጋ

ባጤራ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, እቲ ዝምታ፡ ኣብታ ከተማ ካብ ዝተፈጸሙ ናይ ቴለፎን ስርቂታት እቲ ዝዓበየ'ዩ ተባሂሉ
Published

ኣብ ከተማ ሆንኮንግ፡ ሓንቲ ጓል 90 ዓመት ዝነበራ 250 ሚልዮን ዶላር ሆንግ ኮንግ (32 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ) ከም ዝተዘምተት ፖሊስ ሓቢሮም።

ብመሰረት ሓበሬታ ፖሊስ፡ እቶም ሰረቕቲ ገበን ዝምርምሩ ሰብመዚ ጸጥታ ቻይና ተመሲሎም'ዮም ቀሪቦማ።

ብድሕሪኡ፡ መንነታ ብካልኦት ኣብ ማእከል ቻይና ከምዝተሰርቀን፡ ይምርምርዎ ከምዘለዉን ገሊጾምላ።

ነቲ ዝተባህለ ናይ ሓሶት መርመራ ገበን ንምሕጋዝ ከኣ፡ ካብ ዝሓለፈ ነሓሰ ክሳብ ጥሪ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ 11 ግዜ ገንዘብ ናብ ሓደ ሕሳብ ባንክ ከተመሓላልፍ ኣገዲዶማ።

ክሳብ ሕጂ፡ መርመርቲ ምስቲ ገበን ብዝተኣሳሰር ሓደ ወዲ 19 ዓመት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዉን፡ ብዋሕስ ተፈቲሑ ምህላዉን ተፈሊጡ።

ማዕከናት ዜና ሆንክ ኮንግ ከም ዝብልዎ፡ ፈለማ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይቲ ዝሓለፈ ዓመት'ዮም እቶም ጎሓላሉ ሰበስልጣን ጸጥታ መንግስቲ ቻይና ምዃኖም ተሌፎን ደዊሎም ተዛሪቦማ።

ጸኒሖም ድማ፡ ናብ ቦታኣ ብምኻድ፡ ምስኦም ክትራኸበሉ እትኽእል ቁጽሪ ቴለፎን ገዲፎምላ።

እቲ ፍጻመ ብሰንኪ ሰራሕተኛኣ ዘስተውዓለቶ ዘይንቡር ምንቅስቓስን ንጥፈታትን'ዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ። እታ ሰራሕተኛ፡ ነቲ ዘስተውዓለቶ ባህ ዘይበላ ነገራት ንጓል እታ ግዳይ ምስሓበረት፡ እቲ ውዲት ተቓሊዑ።

እታ ጓል 90 ዓመት ናይ ዕድመ ብዓልቲ ጸጋ፡ ብዘይ ዝኾነ ኣባል ስደራቤት፡ ምስ ሓያሎ ናይ ገዛ ሰራሕተኛታት ኣብ ሓደ ሃብታማት ዝነብርሉ ፒክ ዝተባህለ ከባቢ ከተማ ሆንግ ኮንግ ከምእትቕመጥ ጸብጻባት ይገልጹ።

ማዕከናት ዜና፡ እቲ ዝምታ፡ ኣብታ ከተማ ካብ ዝተፈጸሙ ናይ ቴለፎን ስርቂታት እቲ ዝዓበየ'ዩ ክብሉ ጸብጺቦም።