ዝዓበየ መኽዘን ኩቡር ኣቑሑ ኣውሮጳ 'ግሪን ቫውልት' ብጓሓሉ ተሰሪቑ

ግሪን ቮልት

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ግሪን ቮልት ቤት ግምጃ
Published

ዝተፈላለዩ ክቡራት ኣቑሑት ዝርከቡሉ፡ ኣብ ጀርመን ከተማ ደርስደን ዝርከብ 'ግሪን ቫውልት' ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ዝዓበየ መኽዘን ኣውሮጳ፡ ሰኑይ ንጉሆ ብጓሓሉ ከምዝተዘምተ ፖሊስ ገሊጹ።

እቶም ሰረቕቲ ብሚልዮናት ዩሮታት ዝግመት ኣልማዝን ክቡራት መጋየጺታትን ጉሒሎም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ጀርማን ደይሊ ቢልድ ዝተባህለ ጋዜጣ ገሊጹ።

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ እቲ ከባቢ ብናይ ፖሊስ መካይን ተኸቢቡ ከም ዘሎን፡ እቲ መኽዘን ድማ ተዓጽዩ ከም ዘሎን ጸብጻባት ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

እቲ ኣብ ናይ ቀደም ቤተ መንግስቲ ዝርከብ መኽዘን (ቤት-ግምጃ)፡ ኣብ 18 ክፍለዘበን ብ'ኦገስት ዘ ስትሮንግ' ዝተጣየሰ እዩ።

እቶም ጓሓላሉ ክሃድሙ ከም ዝኻኣሉን፡ ሓዊ ከጥፍኡ ናብቲ ከባቢ ዝተጸውዑ መጥፈእቲ ሓዊ ድማ፡ ምናልባት እቲ ሓዊ ነቲ ናይቲ ቤት-ግምጃ ናይ ሓደጋ ድምጺ ዘስምዕ መሳርሒ ('ኣላርም') ከይሰርሕ ገይሩዎ ክኾን ከምዝኽእል ተዛሪቦም።

ናይ ፖሊስ መኪና

ምንጪ ስእሊ, AFP

እቶም ሰረቕቲ፡ ናይቲ ኣብ ምድሪ ቤት ናይቲ ህንጻ ዝርከብ መስኮት መከላከሊ ሓጺን ሰይሮም ከምዝኣተዉ ማዕከናት ዜና ጀርመን ገሊጸን።

እቶም ዝኸበሩ ኣቑሑት ናይቲ መኽዘን ('ቤት-ግምጃ')፡ ኣብቲ ምድሪ ቤት ናይቲ ህንጻ ኣብ ዝርከብ ታሪኻዊ ክፍሊ'ዮም ዝርከቡ።

ኣብቲ መኽዘን ካብ ናይ ሩስያ ንጉስ ዛር ፒተር ውህብቶ (ብህያብ) ዝተረኸበ 648 'ካራት ሳፋየር' ይርከብ።

ቀለበት

ምንጪ ስእሊ, Gruenes-Gewoelbe

መግለጺ ስእሊ, ካብ ከባቢ 15 ክፍለዘበን ዝተረኸበ ቀለበት

ቀዳማይ ሚኒስተር ድረስደን ሚካኤል ክሬሽመር ''እቲ መኽዘን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ህዝቢ ሳክሶን እውን እዩ ተሰሪቑ'' ክብል ገሊጹ።

እቶም ታሪኻዊ ኣቑሑት ካብ ታሪኽ ህዝቢ ሳክሶን ዘይንጸሉ ከምዝኾኑ 'ውን ተዛሪቡ።

ሳጹን

ምንጪ ስእሊ, Gruenes-Gewoelbe