ኦክስፋም፡ ፆታዊ ምዝመዛ ፈጺሞም ንዝበሎም ክልተ ሰራሕተኛታት ረድኤት ኣጊዱ

Published

ትካል ገባሪ ሰናይ ዓባይ ብሪጣንያ ኦክስፋም፡ ምስቲ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ተፈፂሙ ዝተብሃለ ክሲ ፆታዊ ምዝመዛን ጥቕዓትን፡ ንኽልተ ሰራሕተኛታት ረድኤት ካብ ስረሖም ከምዝኣገዶም ኣፍሊጡ።

እዚ ምእጋድ ሰራሕተኛታት ረድኤት፡ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ልዕሊ እቲ ትካል ዝቐረቡ ክስታት ንምምርማር ዝተበገሰ “ደጋዊ ምርመራ” መቐፀልታ ከምዝኾነ ድማ ሓቢሩ።

ሰራሕተኛታት ረድኤት ትካል ገባሪ ሰናይ ኦክስፋም ኣብ 2018፡ ኣብ ሄይቲ ኣብ ፆታዊ ብዕልግና ምስታፎም ይዝከር።

ነቲ ኣብ ሄይቲ ዘጋጠመ ምንቅጥቓጥ መሬት ስዒቡ ገለ ኣባላት እቲ ትካል ፋይቶት ምጥቃሞም፡ ኦክስፋም ብዕልግና ሰራሕተኛታቱ ሓቢኡ ብዝብል፡ ተኸሲሱ ኔሩ።

ኦክስፋም ግና ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረበ ክሲ ከምዘይወዓሎ ብምግላፅ፡ ኣብ ኣተሓሕዛ እቲ ፆታዊ መጥቃዕቲ ንዘርኣዮም ጌጋታት፣ ምስ ዘይሻራዊ ኮምሽን ምጥያሽ ኮነ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ሓገዝ ካብ ምስላዕ ክቑጠብ ምጥላቡን ይቕረታ ሓቲትሉ እዩ።

ኣብዚ ቀረባ ግዘ እቲ ገባሪ ሰናይ ትካል መንግስታዊ ሓገዝ ክሓትት ከምዝተፈቐደሉ፡ ፀብፃብ ጋዜጣ ታይምስ ይሕብር።

ከም ፀብፃብ እቲ ጋዜጣ ብ 20 ሓደሽትን ነባራትን ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ዝተፈረመ 10 ገፅ ደብዳበ ናብ ኣመራርሓ እቲ ትካል ተላኢኹ እዩ።

ኣብ ፆታዊ ብዕልግና፣ ጥቕዓት፣ ጉሕለትን ኣድልዎን ዝተሳተፉ 11 ሰባት ክሲ ዘቃልዕ እቲ ደብዳበ፡ ነዚ ዘቃልዑ ድማ “ብህይወቶም ምፍርራሕ ይበፅሖም ኔሩ” ኢሉ።

ኦክስፋም፡ እቲ ገባሪ ሰናይ ኣብ መፈለምታ ምርመራ እዞም ሓደሽቲ ክስታት ከምዝተሓበረን ምዕባለታቱ ይከታተሎ ከምዘሎን፡ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ።

“ንውፃእ መዓት ምሕጋዝን ብውሑስ መገዲ ክዛረቡን ኣብ ምግባር ሓዊሱ፡ ግቡእና ክንፍፅም ከምዘለና ኣፀቢቕና ንፈልጥ ኢና። እቲ ምርመራ ብፍትሓዊ፣ ውሑስን ውፅኢታውን መገዲ ንምዝዛም ኣበርቲዕና ንሰርሕ ኣለና ኢና” ኢሉ እቲ ገባሪ ሰናይ ትካል።

ኦክስፋም፡ ካብ 1961 ጀሚሩ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ንልዕሊ 700 ሽሕ ውሽጣዊ ተመዛበልቲ ፅሩይ ዝስተ ማይ፣ ፅርየትን፣ ህፁፅ ረድኤት ምግቢን ኣብ ምቕራብን ንስደተኛታት ኣብ ምትእንጋድን ክሰርሕ ከምዝመፅአ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዘውፅኦ ሓበሬታ ይገልፅ።