ኣብ ክልል ኦሮሚያ 22 ሰባት 'ብዘስካሕክሕ ኣገባብ' ብዕጡቓት ተቐቲሎም

ካርታ ክልል ኦሮሚያ
Published

ኣብ ክልል ኦሮሚያ፡ ወለጋ ዞን፡ ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 22 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሰብመዚ ኣፍሊጦም።

እቶም ግዳያት ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ከምዝተቐተሉ ኣመሓዳሪ ናይቲ ዞባ ኣቶ በቀለ ደቻሳ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ዋላ'ኳ ዕላማ ናይቲ መጥቃዕቲ ብንጹር እንተዘይተገልጸ፡ ብሄር መሰረት ዝገበረ ከምዝኾነ እቲ ብዓል ስልጣንን ነበርትን ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።

ዕጡቓት ኦነግ ሸኔ ዝተባህለ ጉጅለ ምስ ሓደ ኣባ ቶርቤ ዝተባህለ ካልእ ጉጅለ ብምትሕብባር፡ ኣብቲ ከባቢ ተኸታታሊ መጥቃዕትታት ከካይዱ ምጽንሖም እቲ ኣመሓዳሪ ጠቒሱ።

ይኹን እምበር፡ እዚ ናይ ሕጂ መጥቃዕቲ ንሶም ዝፈጸምዎ ይኹን ኣይኹን ዝተፈልጠ የለን።

ኣቶ በቀለ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ለካቲት 27 [6 መጋቢት]፡ እቶም ዕጡቓት ኣብ ዞባና ኣብ እትርከብ ዳቢስ ዝተባህለት ብኣግራብ ዝተኸበት ዓዲ ብምእታው፡ ሞባይላት ነበርቲ ድሕሪ ምሕዳግ፡ መጥቃዕቲ ከፊቶምሎም" ኢሉ።

ኣብቲ መዓልቲ ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 17 ሰባት ከምዝተቐትሉን፡ ህጻናትን ደቂኣንስትዮን ዝርከብዎም ብውሕዱ 28 ካልኦት ተወሲዶም ነይሮም። እቶም ዕጡቓት ብመኪና ተጻዒኖም ናብታ ዓዲ ከምዝኣተዉ ነበርቲ ሓቢሮም።

ስነስርዓት ቀብሪ ናይቶም ግዳያት ብሰኑይ ከምዝተፈጸመ ጸብጻባት ገሊጾም።

እቶም ዕጡቓት፡ ነበርቲ እታ ዓዲ ኣብ ስርሖም ተዋፊሮም ኣብ ዝነበርሉ እዋን፡ ህጻናት፡ ደቂኣንስትዮን ዓበይቲን ብምእካብ ፈልዮም ከምዘጥቅዑ እቲ ኣመሓዳሪ ተዛሪቡ።

ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ናብቲ ቦታ ክሳብ ዝኣትዉ ገለ ሬሳታት ከይተላዕሉ ምጽንሖም ነበርቲ ተዛሪቦም።

ብመሰረት እቲ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ፍሉይ ሓይሊ ናይቲ ክልል ኣብቲ ከባቢ ድሕሪ ምእታዉ፡ እቶም ተጨውዮም ዝነበሩ ህጻናትን ደቂኣንስትዮን ዝርከብዎም 28 ሰባት ናብ ገዝኦም ተመሊሶም ኣለዉ።

ዋላ'ኳ ሰብመዚ፡ እቲ ኩነታት ተረጋጊኡ ሰላማዊ ሃዋሁ ተፈጢሩ ከምዘሎ እንተገለጹ፡ ነበርቲ ግን ካብ ስግኣት ናጻ ኣይወጹን ዘለዉ።

ሓይልታት ጸጥታ መንግስታት ፈደራልን ክልል ኦሮሚያን፡ ኣብ ልዕሊ'ቶም ዕጡቓት ብዘካየድዎ ስርሒታት ብዙሓት ከምዝቐተሉን ከምዝማረኹን'ኳ ዝገልጹ እንተኾኑ፡ እቶም ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ፡ ሰበስልጣን መንግስትን ሓይልታት ጸጥታን መጥቃዕትታት ካብ ምፍጻም ኣየቋረጹን።

ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ፡ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝን ክፍጸም ዝጸንሐ ቀጻሊ መጥቃዕትታት ሂወት ብኣሚት ዝቑጸሩ ዜጋታት ከምዝቐዘፈ ይፍለጥ።