ኣብ ክልል ኦሮምያ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ጉጅለ 'እስላሚክ ስቴት ሰንተር' እንታዋይ’ዩ?

ምንጪ ስእሊ, EBC SCREEN CAPTURE
ኣብ ክልል ኦሮሞያ ዞባ ባሌ ወረዳ ዳሎ መና፡ ምስ ኣልሸባብን ዳሽን ርከብ ከምዘለዎ ዝዝረበሉን ንገዛእ ርእሱ “እስላሚክ ሰንተር” ኢሉ ዝጽውዕ ጉጅለ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሓላፊ ቢሮ ምምሕዳርን ጸጥታን ክልል ኦሮምያ ኣቶ ጅብሪል ኣሕመድ ገሊጹ።
እቲ ጉጅለ ኩሉ ነገራቱ ምስ ናይ እስላማዊት ሃገር ናይ ምምስራት ጥሙሕ ከምዘለዎ ዝንገረሉ ጉጅለ ዳዕሽ ሓደ ከምዝኾነን ኣብቲ ከባቢ ንነዊሕ ግዜ ክንቀሳቐስ ከምዝጸንሐን ሸኽ ሑሴን ዓሊ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ሓደ እስላማዊ መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ኣሚር ክመሓደር ኣለዎ ዝብል ዕላማ ሒዙ ይንቀሳቐስ ከምዝነበረ'ውን ኣቶ ጅብሪል ወሲኹ ገሊጹ።
ካብቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ ኣባላት እቲ ጉጅለ መናእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ከምዝርከብዎም ዝሓበረ ኣቶ ጅብሪል፡ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኦሮምያን ክልል ሶማልያን ዝመልመሎም ኣባላት ዝሓቖፈ ምዃኑ ኣብሪሁ።
ብሓይሊ መንግስቲ ንምዕላው ይንቀሳቐስ ከምዝነበረን ኣብ ዝህቦ ትምህርቲ ድማ ንመንግስቲ ግብሪ ምኽፋል ግቡእ ከምዘይኮነ እናምሃረ ከምዝጸንሐን እቶም ሰብመዚ ኦሮምያ ይኸሱ።
እቲ ንገዛእ ርእሱ “እስላሚክ ስቴት ሰንተር” ኢሉ ዝንቀሳቐስ ጉጅለ ኣባላት እናመልመለን ንገለኦም ናብ ስልጠና ኣእትዩ ንገሊኦም ድማ ከሰልጥኖም ኣብ ቅድመ ምድላዋት እንከሎ ብናይ መንግስቲ ጸጥታ መሓውር ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ሰብ ስልጣን ክልል ኦሮምያ ሓቢሮም።
ኣብ ወረዳ ደሎ መና ዝቕመጡ ኣቶ ሱልጣን እቲ ጉጅለ “ካዋርያ” ኢሉ ከምዝጽዋዕን ብቕሉዕ ምንቅስቓስ ዝጀመረሉ ከኣ ኣብ እዋን ምምሕዳር ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ሃይለማርያም ደሳለኝ ጀሚሩ ከምዝኾነ ገሊጹ።
እቲ ጉጅለ ግን ብዛዕቢ'ዚ ክሲ ዛጊት ዝሃቦ ርእይቶ የለን። ቢቢሲ'ውን ነዚ ክሲ ካብ ካልእ ናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይከኣለን።
ጉጅለ ካዋርያ መን’ዩ?
ነባሪ ወረዳ ደሎ መና ዝኾኑ ኣቶ ሱልጣን እቲ ጉጅለ ኣብቲ ዝነብርሉ ወረዳ ንነዊሕ እዋን ምንቅስቓስ ይገብር ከምዝነበረ ንቢቢሲ ገሊጾም።
ካብ ካልኦት ኣመንቲ እስልምና ነጺሉ “ናይ ኣኽረርቲ ኣረኣእያ” ሒዙ ይንቀሳቐስ ከምዝነበረ ሓቢሮም። ዳርጋ ፍርቂ ኣባላት እቲ ጉጅለ ካብ ሶማሌ፣ ሃረርን ወለጋን ዝመጽኡ ከምዝኾኑ ይግለጽ።
“ካብዚ ካብ ከባቢና ብዙሓት ሰባት ተጸንቢሮምዎም’ዮም። ትምህርቲ እናሃቡ ንብዙሓት ሰባት ኣባላት ናይቲ ጉጅለ ገይሮምዎም። ምስ ኣመንቲ እስልምና ኣይፋተዉን። እዚ ጉጅለ ንነዊሕ እዋን ናይ ባዕልና እምነት እናጥፈአ ስለዝመጽአ ሕብረተሰብ ናይዚ ከባቢ መንግስቲ ኣብ ቀይዲ ከእትዎ ምሕጽንትኡ እናቕረበ እዩ መጺኡ”
እቲ ካዋርያ እናበለ ዝጽዋዕ ጉጅለ ኣብቲ መጀመርያ እዋናት ኣብ ወረዳ ደሎ መና ኣዮዳን ሸዌን ተባሂሎም ኣብ ዝጽውዑ ስፍራታት ይንቀሳቐስ ከምዝነበረ ዝሓበሩ ኣቶ ሱልጣን “ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ተዓጢቖም ናብ ደጉዓታት ደይቦም። ኣብኡ ተታዅሶም ሓደ ዕጡቕ ሞይቱ፣ ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት እውን ኣለውኦ። ምስ ናይ መንግስቲ ጸጥታ ኣካላት ተታዅሶም ገሊኦም ሃዲሞም ገሊኦም ድማ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ እፈልጥ እየ” ኢሎም።
ሸኽ ሑሴን ዓሊ ኣብ ወረዳ ደሎ መና ነባርን ናይቲ ወረዳ ሓላፊ እስላማዊ ጉዳያት ኮይኖም ብዛዕባ እቲ ጉጅለ ክዛረቡ እንለው፡ “እቲ ጉጅለ ፈለማ ካዋርያ ዝብል መጸውዒ’ዩ ነይርዎ፣ ሕጂ ድማ እስላማዊ መንግስቲ ክነጣይሽ ኢና’ዮም ዝብሉ። እዚ ድማ እቲ ቅኑዕ እስልምና ኣይኮነን። ምስ ኣብ ወጻኢ ዝንቀሳቐሱ ከም በዓል ዳዕሽ ርክብ ከምዘለዎም ንሰምዕ ኣለና። ብዛዕባ እዚ ምንቅስቓስ ካብ ግዜ ምምሕዳር ቀዳማይ ሚኒሰተር ነበር ኣቶ መለስ ዜናዊ ጀሚርና ኢና ንጠርዕ ኔርና። እንተኾነ ግን ኣሲሮም’ዮም ፈቲሖምዎም” ይብሉ።
እቶም ጉጅለ ግብሪ ንፈጣሪ ጥራሕ’ዩ ክኽፈል ዘለዎ ኢሎም ከምዝኣምኑን ክምርዓዉ እንደተሊዮእ ድማ ካብ ሰዓብቶም ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ከምዝሓጽዩ ኣቶ ሱልጣን ወሲኹ ገሊጹ።
“ኣብ ናትና መስጊድ ኣይሰግዱን”
ናይዚ ጉጅለ ሰዓብቲ ዝኾኑ ኣባላት ካልኦት ኣመንቲ እስልምና ኣብዝሰግዱሉ መሳጊድ ከምዘይሰግዱን ዝተፈለየ ሰላት ከምዘለዎምን ንቢቢሲ ዝገለጹ ሸኽ ሑሴን’ዮም።
“ቀንዲ ዕላምኦም ናቶም ተኸታሊ ዘይኮነን ንእምነታቶም ዝቃወም እስላማይ ኮነ ክርስትያን ቀቲልካ ምጥፋእ’ዩ። ለይቲ ለይቲ ኣብ ናይ ውልቀ ሰባት ይእከቡ ከይወግሐ ከምዝብተኑ ድማ ንሰምዕ ኔርና። ድሓር ከኣ ናይ ገዛእ ርእሶም ዝኾነ እስላማዊ መንግስቲ ከጣይሹ ከምዝደልዩ፣ ንመንግስቲ ቀረጽ ኣይንኸፍልን፣ እቶም ዘለዉ መሳጊድን ኣብያተ ክርስትያናትን ክቃጸሉ ኣለዎም ብዝብል ምንቅስቓስ ይገብሩ ኔሮም” ክብሉ ናይቲ ወረዳ ሓላፊ እስላማዊ ጉዳያት ይኸሱ።
መንግስቲ’ኸ እንታይ ይብል?
ኣብ ክልል ኦሮምያ ሓላፊ ቢሮ ምምሕዳርን ጸጥታን ኣቶ ጅብሪል ኣሕመድ “እዚ ጉጅለ ንተግባራት ሽበራ ምድላዋት ይገብር ነይሩ። ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝመልመሎም ኣባላት ኣተኣኻኺቡ ንስልጠና ናብ ታዕሊም ኣእትዩ። ዓይነት እቲ ስልጠና ድማ ናይ ዕጥቂ ቃልሲ’ዩ። ዕላምኡ ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ዘሪግካ ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንምስግጋር ዝዓለመ’ዩ ዝመስል” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ከም ሓበሬታ ኣቶ ጅብሪል እንተድኣኾይኑ እቲ ጉጅለ ዕላማይ እስላማዊ መንግስቲ ምጥያሽ’ዩ ድኣ ይበል እምበር ኣብ ሶማልያ ምስ ዝንቀሳቐስ ኣልሸባብ ርክባት ፈጢርካ ኣብ ኢትዮጵያ ራዕዲ ፈጢርካ ሰላም ንምዝራግ’ዩ ይንቀሳቐስ ነይሩ ይብል።
“ካብ ኣልሸባብ መልእኽቲ ተቐቢሎም ኣብ ኢትዮጵያ ክንቀሳቐሱ ጸኒሖም። ኣብ ልዕሊ ናይ ጸጥታ ሓይልታት ተኹሲ ከፊቶም ነይሮም። ከም ሳዕቤኑ’ውን ካብ ናይ መንግስቲ ጸጥታ ኣኽበርቲ ኣባላት ተቐቲሎም’ዮም” ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
እቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ኣባላት እቲ ጉጅለ ወተሃደራዊ ስልጠና ከምዝወሰዱን ናይ መንግስቲ ኣባላት ጸጥታ ናብ ማእኸል መሰልጠኒ ካዋርያ ከይዶም ከምዘፈርስዎን እቲ ሓላፊ ሓቢሩ።
መንግስቲ እቲ ጉጅለ ኣብ ዝንቀሳቐሰሎም ከባቢታት ክትትል ይገብር ከምዘሎ’ውን ተሓቢሩ ኣሎ። እንተኾነ ግን ካዋርያ ዝተብሃለ እስላማዊ ምንቅሽቓስ ብመን ከምዝምራሕን ካብቶም ተዓጢቖም ናብ በረኻ ዝኣተዉ ዕጡቃት ክንደይ ከምዝተትሓዙን ዝፍለጥ ነገር የለን።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
