ኢትዮጵያ፡ መምህር ኪቲላ ጉዳታ ስለምንታይ'ዩ 'ተረሺኑ'?

ምንጪ ስእሊ, Kitilaa Guddata
ኣብ ኦሮሚያ 32 ዝዕድሚኡ ኪቲላ ጉዳታ ዝተባህለ መምህር-ካልኣይ-ደረጃ ተቐቲሉ ብምርካቡ ስድራ-ቤቱ ኣብ ራዕዲ ይርከቡ። ኪቲላ ኣእዳዉ ብድሕሪ ሕቝኡ ተኣሲሮም ጥይት ብድሕሪ ርእሱ ኣትያ ከም ዝቐተለቶ ሓደ ዘመዱ ንቢቢሲ ዓፋን ኦሮሞ ሓቢሩ።
ሬሳ ኪቲላ፡ ምስ ክልተ ካልኦት ሰባት፡ ኣብ ጥቓ ሓደ ሩባ ዝርከብ ከውሒ'ዩ ተረኺቡ። እዚ ሓደ ካብ'ቶም ኣብ ቀረባ እዋን ዝተፈጸሙ ቅትለታት ምዃኑ'ዩ። ኣብ ኦሮምያ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ተቓወምትን ግጭት ካብ ዝውላዕ ጸኒሑ እዩ። ።
ምኽንያት ናይቲ ጎንጺ ሓደ ንናጽነት ኦሮሚያ ዝጠልብ ዕጡቕ ጕጅለ ምስ ሓይልታት መንግስቲ ኣብ ግጥም ስለ ዝርከብ'ዩ። ኦሮምያ ሰፊሕ መሬት ዝሽፍንን ኣብ ኢትዮጵያ እቶም ዝበዝሑ ነበርቲ ደቂ ኦሮሞ ዝርከብዎ ክልል'ዩ።
ብምኽንያት እቲ ግጭት ብዝግበር ዘሎ ምልውዋጥ ናይ ተዂሲ: ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ይልከሙ ኣለው - ኪቲላ ኸኣ ከም ሰቡ ተለኪሙ'ዩ። ቤተሰቡ ከም ዝበልዎ፡ ንኪቲላ ኣብ ሰከላ ዝበሃል ንኡስ ከተማ 10 ኣባላት ፖሊስ መጺኦም ብዕለት 19 ሕዳር ለይቲ ኣሲሮም ወሰዱዎ።
እቲ ንህይወቱ ኣብ ስግኣት ከየእቱ ፈሪሁ ብስቱር ንቢቢሲ ሓበሬታ ዝሃበ ዘመድ ከም ዝበሎ፡ "በዓልቲ-ቤቱ ንኪቲላ፡ ኣደ ክልተ ደቁ፡ ነቶም ክኣስርዎ ዝመጽኡ 'ኣብ ክንድኡ ንዓይ ዉሰዱኒ' ኢላ ለመነቶም፣ ንሳቶም ግን 'ክምለስ'ዩ - ሓድሓደ ሕቶታት ጥራይ ክንሓቶ ኢና' እናበሉ ወሰድዎ" ይብል። ኪቲላ ግን ኣይተመልሰን።
ቤተሰቡ ተረቢጾም ንክልተ መዓልታት ኣሰር ኪቲላ ድሕሪ ምድላይ ሬሳኡ ኣብ ጥቓ ሓደ ሩባ ረኸቡዎ፣ ምስኡ ክልተ ካልኦት ሬሳታት ተረኽቡ።
ካብ ኦሮሚያ ፍሉይ-ሓይልታት-ፖሊስ ሓበሬታ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተና ውጽኢት ኣይተረኽቦን። ግናኸ ጌታቸው ባልቻ፡ ወሃቢ-ቃል ክልል ኦሮምያ ከም ዝበሎ፡ ሓይልታት ጸጥታ ብሓሶት ንሰባት ምስ "ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ" ትደናገጹ ኢኹም ኢሉ ኣይከስስን'ዩ ኢሉ።
ብተወሳኺ፡ ኣቶ ጌታቸው "ኣንጻር እቶም ገበኖም ብህዝቢ ፍሉጥ ዝዀነን ዝተቓልዑን ሰባት ጥራይ ኢና ስጕምቲ ንወስድ" ክብል ንቢቢሲ ቃሉ ሂቡ። "ዝዀነ ይዅን ሰብ ገበን እንተድኣ ፈጺሙ፡ ፖሊስ ይዅን ኣባላት መንግስቲ፡ ተሓተትቲ'ዮም" ኢሉ ወሰኸሉ።
ፍሉያት ሓይልታት ፖሊስ ኦሮሚያ ኣብ ደቡባውን ምዕራባውን ኦሮሚያ ነቲ ተቓውሞ ንምጭፍላቕ ዘካይድዎ ዘሎዉ ሃድን እናዛየደ ይኸይድ ኣሎ - እዚ ዝዀነሉ ቍጽሮም ዘይተፈልጠ ወተሃደራት ብተብ-ተብ ናብ ትግራይ ኣብ መጀመርታ ሕዳር ድሕሪ ምልኣኽ'ዩ።
እዚ: ኣብ ዉሽጢ ኢትዮጵያ ብድሆታት ጸጥታ ይውስኽ ከም ዘሎ'ዩ ዘርእይ፣ እዚ ማለት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢዪ ኣብ ስልጣን ዝመጽሉ እዋን (ሚያዝያ 2018) ዝነበረ ፈንጠዝያ ይንኪ ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢዪ ንዓሰርተታት ዓመታት ብዝጸንሐ ገባርን-ሓዳግን ግዝኣት ተኣጊዶም ዝነበሩ ሰልፍታት ፖለቲካን ተቓወቲ ጕጅለታትን ኣብ መኣዲ ምዕዳምን፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ እሱራት ምፍታሕን፡ ኣብ ማሕዩር ስደት ዝነበሩ ንክምለሱ ምፍቃድን ዘኣመሰሉ ለውጥታት ኣታኣታትዩ'ዩ።
ኣቢዪ ኣሕመድ፡ ካብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝበዝሐ ቁጽሪ ዘለዎ ህዝቢ ኦሮሞ ዝተወለደ ናይ ፈለማ መራሒ ኢትዮጵያ ብምዃኑ ህዝቢ ኦሮሞ ተቐቢሉዎ'ዩ፣ እቲ ዝሓየለ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ'ውን ምንቅስቓሳቱ ናብ ፖለቲካዊ ሰልፊ ክልውጦ ተራእዩ።
ይዅን'ምበር፡ ኩምሳ ዲሪባ (ከምኡ'ውን ብጃል ማሮ ዝፍለጥ) ፡ ሓደ ካብ'ቶም ቀንዲ ኮማንደራት፡ ኣብ ጉዳይ ምውራድ ዕጥቒ ምስ መንግስቲ ክሰማማዕ ኣይከኣለን።
ኩምሳ ዲሪባ ምስ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ድሕሪ ምግጫው ብረታዊ ቃልሱ ኣብ ጫካታት ምዕራባዊ ኦሮሞ ብምዕራድ ቀጺሉ'ዩ፡ ንጕጅልኡ ኸኣ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኢሉ ሰመዮ።
ኣብቲ እዋንቲ ሓይልታት ጸጥታ: ኣብ ዉሽጢ ክልተ ሰሙን ክሕምሽሽዎ ምዃኖም ገሊጾም ከም ዝነበሩ ዝዝከር'ዩ። እንተዀነ ግን ክሳብ ሕጂ ምስ'ቶም ተቓወምቲ ኣብ ግጥም ይርከቡ።
ኰይኑ ድማ ጸብጻባት ናይ'ቶም ዘጓንፉ ዘሎዉ ጕድኣታት ክብ እናበለ ይመጽኣ ኣሎ። ጕዳይ ጋላና ኢማና፡ ኣቦ ክልተ ቈልዑ፡ ከም ኣብነት ክወሰድ ይከኣል።

ምንጪ ስእሊ, Oromia Police Commission/Facebook
"ቤተሰብ ከይፈለጠ ተቐቢሩ"
ምስ ቢቢሲ ኣፋን-ኦሮሞ ብዝተኻየደ ቃለ-መጠይቕ፡ ጫልቱ ኢማና፡ ንእሽቶ ሓብቱ ከም ዝበለቶ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ካብቲ ኣብ ኣምቦ ዝርከብ ቤቱ (100 ኪ/ሜ. ካብ ምዕራብ ኣዲስ ኣበባ) ብ20 ብረት ዝዓጠቑ ፖሊስ ተኣሲሩ ተወስደ።
ጫልቱ ኢማና ከም ዝበለቶ፡ ሓዋ ሰቡ ከይፈለጡ'ዮም ተቐቢሩ። ንኣርባዕተ መዓልታት ድሕሪ ምድላይ ፖሊስ ሬሳኡ ኣብ ሓደ ሩባ ከም ዝረኸብዎ ሓበርዋ። ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ናብ እንዳ ፖሊስ ምስ ከደት "ሬሳ ረኺብና ቀቢርናዮ" በልዋ።
"ፖሊስ ሓዋ ከመይ ከም ዝመስልን እቲ ተኸዲኑዎ ዝነበረ ክዳን ክትገልጸሎም ተወከስዋ፣ ምስ ነገረቶም 'እወ ንሱ'ዩ'" ኢሎም ኣረጋገጹላ። ብተወሳኺ፡ ሓዋ ብጥይት ተሃሪሙ ከም ዝሞተ ኸኣ ሓበርዋ።
"ኣብ ገዛና ክንምለስ ምስ ነገሩና ንገዛና ክንምለስ ተገደድና - ካልእ ኣማራጺ ኣይነበረናን፣ ብዘይ ሬሳ ኸኣ ስርዓት ሓዘንና ኣካየድና" ትብል ጫልቱ።
"ምእሳሩ ድኣ ኢና ርኢና'ምበር መእሰሪኡ ምኽንያት ኣይተነግረናን፣ ገበኑ ከይተነገርና ሞይቱ። ንምንታይ ክሲ መስሪቶም ናብ ቤት ፍርዲ ዘይወሰድዎ?" ትብል ጫልቱ።
ሓዋ ኣባል ናይ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ'ዩ ነይሩ። ንክኣትዉ ብመንግስቲ ዕድመ ምስ ተገብረሎም ንሱ ከም ኣባል ተቐበልቲ ኣጋይሽ - ካብ ስደት ንዝተመልሱ ኣባላት - ኰይኑ ኣገልጊሉ።
እቲ ልክዕ ቍጽሪ ኣደዳ ግርጭት ዝኾኑ ሰባት ኣይፍለጥን። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ከም ዝበሎ ግን ኣብ ወርሒ ሕዳር ጥራይ ኣብ ኦሮምያ ብኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ዝተቐትሉ ሰባት ቍጽሮም 12 በጺሑ'ሎ።
ኣማኻሪ ኮሚሽን ኢማድ ዓብዱልፈታሕ፡ ንቢቢሲ. ከም ዝሓበሮ፡ "ብፖለቲካ ዘይምስምማዕ ንተራ ሰባት ሓደጋ የኸትል ኣሎ"። ኣባላት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ንሰላማውያን ሰባት ኣጥቂዕኩም ተባሂሎም ክስታት ከም ዝቐርቦም'ውን ኣስሚሩ ይዛረብ።
ካብቶም ግዳያት - ኣብ ኢትዮጵያ ብብዝሖም ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝስርዑን ኣብ ታሪኽ ንኢትዮጵያ ክመርሑ ዝጸንሑን- ይርከቡዎም።
ካብቶም ግዳያት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ: ኣምሓሩ ይርከቡ። ህዝቢ ኣምሓራ ኣብ ኢትዮጵያ ብብዝሒ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝስራዕን ኣብ ታሪኽ ንኢትዮጵያ ኣብ ስልጣን ክመርሕ ዝጸንሐን'ዩ።
ጸብጻባት መንግስቲ ከም ዝብልዎ፡ ዝሓለፈ ሕዳር ኣብ ጉሊሶ ዝተባህለ ወረዳ (ኦሮምያ) ብውሑዱ 34 ሰባት (ካብ ኣምሓራ) ብ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ተቐቲሎም።
ቢቢሲ ኸኣ ብወገኑ ምስ ክልተ ነበርቲ ኣባይ-ቾማን ወረዳ (ኣብ ሆሮ ጉዱሩ ዝርከብ - ምዕራባዊ ኦሮምያ) ኣብ ዘካየዶ ዝርርብ: ዝሓለፈ ታሕሳስ ሸውዓተ ሰባት - ካብ ኣምሓራ - ብረት ብዝተሓንገጡ ሰባት ክቕተሉ ከም ዝረኣዩ ይምስክሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ተነሓናሒ ራእያት ፖለቲካ
ኣብቲ ቦታ ዝቕመጡ ሰባት ከም ዝበልዎ፡ እቶም መንነቶም ዘይተፈልጡ ብረት ዝዓጠቑ ሰባት ብመጕልሕ-ድምጺ ገይሮም ንህዝቢ ኣምሓራን ኦሮሞን ንዕለት 8 ታሕሳስ ምሸት ንኣኼባ ክመጹ ይሕብሩዎም።
"ሸሞንተ ብረት ዝሓዙ፡ ነዊሕ ዝጸጉሮም፡ ገጾም ዝተሸፈኑ፡ ካብ'ቶም እኩባት መኖም ኣምሓራ ምዃኖም ሓተቱ። ነቶም ዝተረፍና ንገዛና ክንምለስ ኣዘዙና። እቶም ምስኦም ዝተረፉ 10 ዝዀኑ ሰባት ምስኦም ክኸዱ ኣዘዙ" ይብል ሓደ ኦሮሞ ዝዓሌቱ ነባሪ።
"ምሉእ ምሸት ክንጽበዮም ኣምሲና፣ ኣይመጹናን። ንጽባሒቱ ንግሆ ሸውዓተ ሬሳታት ረኺብና" ይብል።
እቲ መቕተልቲ ኣብ ሞንጎ እቶም ክልተ ተነሓናሕቲ ዓሌታት ዓሚቝ ጋግ ተፈጢሩ ከም ዘሎ የርኢ። ስምምዕ ስለ ዘይተረኽበ ነቲ ኵነታት ሓዊ የእትወሉ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ እንታይ ዓይነት መንግስቲ ክትከል ከም ዘሎዎ ስኣን ምፍላጥ'ዩ።
ዕላማ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ'ኳ ብንጹር ኣይፈለጥ፡ እቶም ቀንዲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኦሮምያ ዘቕርብዎ ዘሎዉ ጠለባት ዝሓሸ ርእሰ-ምሕደራ ንምርካብ'ዩ። እዚ ኸኣ ፖለቲካዊ፡ ባህላዊ ከምኡ'ውን ቋንቋኣዊ መሰላት ከጓናጽፎም ይኽእል ኢሎም ስለ ዝኣምኑ'ዩ።
ነዚ ዝኣመሰለ እምነት ዝቃወሙ ባእታታት - ብፍላይ ሰፊሕ ኣረኣእያ ዘለዎም ኣብ ከተማ ዝነብሩ ልሂቃን -እዚ ኣብ ዓሌት ዝተሞርኰሰ ፍልልያት ከዕምቖ ምዃኑ፡ ሰበቡ ድማ ነቓዓት ኣብ ኢትዮጵያ ምፍጣር'ዩ ይብሉ።
ብዙሓት ተወለድቲ ኦሮሞ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ብፍላይ ኣብ 2019 ነቲ ኣብ ዓሌት ዝተሞርኮሰ ልፍንታዊ ገዛኢ ውድብ ኣፍሪሱ ብሰልፊ ብልጽግና ምስ ተክኦ፡ ናብቲ ዳሕረዋይ ሓሳብ ገጹ ከም ዝዘምበለ ይኣምኑ።

ምንጪ ስእሊ, Eric Lafforgue/Art in All of Us
"ቍጽጽር ዘይብሉ ስትራተጂ"
ኣብ ኦሮሚያ ዳርጋ ኵሎም መራሕቲ ናይ'ተን ክልተ ቀንዲ ሰልፍታት ኦሮሞ ተኣሲሮም'ዮም - ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ፈደራላዊ ኮንግረስ ኦሮሞን። ምኽንያት መእሰሪኦም ድማ ንዕላምኦም ንኸቐድሙ ሓዊ ይመልሱ ኣሎዉ ዝብል'ዩ። ንሳቶም ግና ከም ዘይወዓልዎ እዮም ዝገልጹ።
ማእሰርቶም፡ ብዙሓት ደገፍቲ ተቓወምቲ ሰልፍታት ከም ዝብልዎ፡ እቲ ብ2018 ተኸፊቱ ዝነበረ ሃዋህው ከም ዝተዓጽወ'ዩ ዘርኢ ይብሉ። እዚ ንፍናን ጕጅለ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ሰፍ ከብሎ ክኢሉ'ሎ - ምናዳ ኣብ ኣተሓሳስባ መናእሰይ።
ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ከም ስትራተጂ ዝጥቀመሉ ዘሎ ስልቲ፡ ኣብ ንኡሳን ከተማታትን ገጠራትን ዝርከቡ ኣባላት መንግስቲ ንምጥቃዕ ይመስል፣ ንምሕደራ ኣቢዪ ፋሕ-ፋሕ ንከብሉ።
ኰይኑ ግን ዝሓለፈ ታሕሳስ ሓደ ካብ ሓያላት ባህላውያን መራሕቲ ዝኾነ: ኩራ ጃርሶ: ሰራዊት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ዶባት ኢትዮጵያን ኬንያን ንንጹሓን ይቐትል፡ ደቂ ኣንስትዮ ይዕምጽን ጥሪት ከም ዝሰርቕን ብምኽሳስ "ናይ ህዝቢ ጸላኢ እዩ" ብምባል ምኩናኑ፡ ንኦነግ ዓቢይ ጽፍዒት እዩ ነይሩ። ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ነቲ ቦታ ከም ዕርዶም'ዮም ዝጥቀምሉ።
እቲ ናዕቢ ናብ ኬንያ ልሒሙ ይርከብ። ዝሓለፈ ሕዳር ነበርቲ ንእሸቶ ከተማ ኬንያ፡ ሞያለ፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ዶብ ሰጊሮም ብምእታው በርቢሮም፡ 10 ሰባት ከኣ ንኣባላት ናይቲ ኦነግ ሸኔ'ውን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣዕቊብኩም ብማለት ጨውዮም ከም ዝወሰድዎም ተዛሪቦም።
ዝሓለፈ ወርሒ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢዪ፡ ምስ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ዀይኖም ኣብ ዶብ ኬንያ ብምብጻሕ ዑደት ገይሮም። ኣብ መደርኡ ነቶም ናይ ኦሮሞ ጕጅለታት ምስ ከም ኣል-ሸባብ ዘኣመሰሉ ተዋጋእቲ እስላማውያን ኣነጻጺሩዎም።
ኣል-ሸባብ ኣብ ኬንያ እቲ ዝዓበየ ሓደጋ ዘኸትል ዘሎ ጕጅለ'ዩ። ዋላ'ኳ ጕጅለ ኦሮሞ ምስ ኣል-ሸባብ ዘተኣሳስር ባህርያት ኣይሃሉዎ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ግን ሓዋዊሱ ክልቲኦም ጕጅለታት ክጠፍኡ ኣሎዎም ኢሉ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝኽተሎ ዘሎ መንገዲ፡ ኣብታ ብኣሜሪካ ከም መልሕቕ ምርግጋእ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትቁጸር ሃገር ኢትዮጵያ: ኣብ ክንዲ ነቶም ተራሓሒቖም ዘሎዉ ሰልፍታት ኣብ ሓደ መኣዲ ምምጻእ፡ ንዝፍልፍሉ ግርጭታት ብተሪር-መርገጺ ክፈትሖም ዝመረጸ ይመስል።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
