ብመስተ ተሰኒፉ መኪና ዝመርሕ ዝነበረ ሰብኣይ፡ ኣቦ ምስ ክልተ ደቁ ከም ዝቐተለ ተኣሚኑ

Published

ኣብ ብሪጣንያ፡ ብመስተ ተሰኒፉ መኪና ዝመርሕ ዝነበረ ዴቪድ ሎጋን ዝተባህለ ሰብኣይ፡ ብዝፈጸሞ ሓደጋ ሓደ ኣቦ ምስ ክልተ ደቁ ከም ዝቐተለ ተኣሚኑ።

ወዲ 47 ዓመት ዴቪድ፡ ጥሪ 21 ናይ ዝሓለፈ ዓመት እዩ ኣብ ከተማ ዳልተን-ኢን-ፈርነስ ብእግሪ ንዝጉዓዙ ዝነበሩ፡ ኣባላት ሓንቲ ስረራ ዝኾኑ፡ ወዲ 37 ዓመት ጆሽዋ ፍሊን፡ ወዲ 15 ዓመት ኮቢ-ጃይ ከምኡውን ንጓል 12 ዓመት ስካይላር ብመኪና ሓሪምዎም።

በቲ ስድራ ንዝውነን ዝነበረ ከልቢ'ውን ዝቐተለ እቲ ሓደጋ፡ ነበርቲ ኣዝዩ ዘሰንብድ ክብሉ ገሊጾምዎ።

ዴቪድ ልዕሊ ዓቐን ሰትዩ ከም ዝነበረ ዝገለጸ ኣኽባር ሕጊ፡ ኣብቲ እዋን ሓደጋ ኣብ ዝተገብረሉ መርመራ ኣብ 100 ሚሊሊትር 141 ማይክሮግራም ኣልኮል ከምዝጸንሐ ሓቢሩ። እቲ ብሕጊ ዝፍቀድ ዓቐን 35 እዩ።

እቲ ገበን ብእስራት ከምዘቕጽዕ ዝገለጸ ዳኛ ቤትፍርዲ ፕሪስተን ክራውን፡ እቲ ዝወሃብ ብይን "ጽኑዕ" ከም ዝኸውን ንተኸሳሲ ኣተንቢሁሉ።

ስድራ ግዳያት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ነዚ ዘሕዝና ዜና ድሕሪ ምስምዖም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ "ነዚ ዘጉህይ ዜና ካብ ዝሰማዕናሉ ደቓይቕ ጀሚሩ፡ ዓለም ቁልቁል ኣፋ እያ ተገምጢላትና፤ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝጓሃና ክገልጸልና ዝኽእል ቃል የሎን" ኢሎም።