እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ: ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ ሚያዚያ ከእቱ እየ ኢላ
ኢትዮጵያ ኣብ'ቲ ዝመጽእ ወርሒ ሚያዝያ፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ ናብ ዓዲ ከም እተእቱ ገሊጻ።
እቲ ዝኣቱ ክታበት፡ ብውሕዱ ን 20 ሚኢታዊት ተቓላዕቲ ክፋላት ሕብረተሰብ ከም ዝባጻሕ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
እቲ ሚኒስትሪ ንመራኸብቲ ብዙሓን ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና፣ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተርን ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንትን ነዚ ክታበት ንምእታው ተዋዲዶም ይሰርሑ ኣለዉ ኢሉ።
ነዚ ክታበት ቀዲሞም ዝወስዱ፡ ብመሰረት መምርሒ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ሰብ ሞያ ጥዕና፣ ሰብ ጸጋ ዕድመ፣ ሕዱርን ተደራራብን ሕማም ዘለዎም ከም ዝኾኑን ብተወሳኺ ድማ፡ ብምኽንያት እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ዘሎ መረጻ "ተደራራቢ ሓላፍነት ዘለዎም ሓይልታት ጸጥታ" ነቲ ክታበት ከም ዝረኽቡ እቲ ሚኒስትሪ ሓቢሩ።
ብዝሒ እቲ ክታበት ተራእዩ ድማ ንመራሕቲ ኣውቶቡሳትን ባቡራትን፣ ከምኡ'ውን ኣብ ናይ መንግስቲ ኣብያተ ትምህርቲ ንዘገልግሉ መምህራን ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ'ሎ።
ኢትዮጵያ ነቲ ክታበት፡ "ኮቫክስ" ብዝበሃል ማሕበር ዕድጊት ክታበት ኣቢላ ከም እተእቱ'ውን ሚኒስትሪ ጥዕና ኣፍሊጡ።
ኮቫክስ (COVAX)፡ ትሑት ቁጠባ ንዘለወን ሃገራት ክታበት ንምቕራብ ዓሊሙ ብትካል ጥዕና ዓለምን ካልኦት ዓለማዊ ትካላት ጥዕናን ዝቖመ ተበግሶ እዩ።
ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ'ውን ነዚ ተግሶ ተቐቢለንኦ እየን። ኣፍሪቃ፡ በዚ ተበግሶ ኣቢላ 220 ሚልዮን ክታበታት ክትረክብ ትጽቢት ኣሎ።
ኮቫክስ፡ ኣብ መወዳእታ 2-21 2 ቢልዮን ክታበታት ኮቪድ-19 ንምዕዳግ ትልሚ ሒዙ'ሎ።