ስሙይ ኣመሪካዊ ኣቕራቢ ዜና ላሪ-ኪንግ ኣብ 87 ዓመቱ ዓሪፉ

Published

ብሞይኡ ዓለማዊ ስሙያት ፖለቲከኛታትን ፍሉታት ሰባትን ኣብ መደባቱ ዘቕረበ ወዲ 87 ስሙይ ኣቕራቢ ዜና ላሪ-ኪንግ ብሕማም ኮቪድ-19 ኣብ ሆስፒታል ክሕከም ድሕሪ ምጽንሑ ዓሪፉ።

ላሪ ኪንግ ኣብ 60 ዓመት ኣገልግሎት ጋዜጠኝነቱ ንኣስታት 50ሽሕ ቃለ መሕትት ኣካይዱ። ን25 ዓመታት ከኣ ኣብ ሲኤንኤን ኣገልጊሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብኮቪድ ተታሒዙ ኣብ ሆስፒታል ነይሩ። ይኹን እምበር ዕረፍቲ ህይወቱ ዝዘርገሐት ኦራ ሚድያ ምኽንያት ሞቱ ኣይሓበረትን።

ላሪ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ከም ወቕዒ ልቢ ዝኣመሰለ ብዙሕ ናይ ጥዕና ጸገማት ከጋጥሞ ጸኒሑ እዩ።

ፍሉይ ነባሪ ክእለትን ላሪ-ኪንግ

ላሪ ዳርጋ ምስ ነብሲ ወከፍ ፕሪዘደንት ኣመሪካ ቃለ መሕትት ኣካይዱ። ካብ ጀራልድ ፎርድ ክሳብ ባራክ ኦባማን ከም ዶር ማርቲን ሉተር ኪንግ፡ ደላይ ላማ፡ ኔልሰን ማንዴላ፡ ሌይዲ ጋጋ ዝኣመሰሉ ብዙሓት ህቡባት ሰባትን ናይ ዓለም መራሕትን ኣብ መደባቱ ኣቕሪቡ።

ን63 ዓመታት ኣብ ዓውዲ ጋዜጠኝነት፡ ኣብ ሬድዮ፡ ቴሌቪዥንን ዲጂታል ሚድያን ኣገልጊሉ - ኣዝዩ ብዙሕ ሽልማት ወሲዱ ዓለማዊ ተፈላጥነትን ከኣ ረኺቡ።

ስሙይን ፍቱውን ኣቕራቢ ዜና ላሪ ኪንግ ኣብቲ ናይ 63 ዓመታት ኣገልግሎቱ ከም ፒቦዲን ኢሚይን ዝኣመሰላ ኣፍልጦ ሞያ ዝህባ ዝተፈላለያ ትካላት ሽልማት ክእለትን ብቕዓትን ዝረኸበ ጋዜጠኛ እዩ።

ላራ ኪንግ ኣብ 1970 እዩ ኣብ ሬድዮ ብዘቕርቦ ዝነበረ መደባት ተፈላጥነትን ተፈታውነትን ኣጥርዩ። ካብ 1985-2010 ኣብ ዝነበረ ግዜ ከኣ ኣብ ሲኤንኤን ምስ ዓበይቲ ፖለቲከኛታት፣ ኣትሌት፣ ኣዘናጋዕቲ ሕብረተሰብ፣ ፈተግቲ ተንኮላዊ ክልሰ-ሓሳብ ( ኮንስፒራሲ ቲዮሪስት) ቀጥታዊ መደባት ቃለ መሕትት ከካይድ ጀሚሩ።

ን'ዩኤስኤ ቱደይ' ዘርእስታ ጋዜጣ ንኣስታት 20 ዓመት ጽሒፉላ። ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ላራ -ኪንግ ኣብ ሁሉን ብሕብረት ሶቬት ኣብ እትእለ ሚድያ መደባት የቕርብ ነይሩ። ክልተ ካብቶም ሓሙሽተ ደቁ እቲ ሓደ ብመንሽሮ ሳንቡእ እቲ ሓደ ከኣ ብወቕዒ ልቢ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዓሪፎም።

ህይወቱን ተሳትፎ ኣብ ግብረ ሰናይትን

ላሪ ኪንግ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ከም ወቕዒ ልቢ፡ (ስትሮክ) ሕማም ሽኮር፡ ጽበት ሻምብቆታት ደም፡ ናይ ሳንቡእ ካንሰር ዝኣመሰለ ሓያሎ ናይ ጥዕና ጸገማት ከጋጥሞ ከምዝጸንሐ ካብ ሲኤንኤን ሓደ ምንጪ ሓቢሩ። ቤተሰቡ ግን ብዛዕባ ጥዕና እቲ ኣብ ሆስፒታል ክንክን ዝወሃቦ ዘሎ ላሪ ብዝምልከት ዝሃቡዎ ርእይቶ ኣይነበረን።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግን ኮቪድ ሓሚሙ ንሆስፒታል ኣትዩ ኣብ ሎስ ኣንጅሎስ ኣብ ዝርከብ ማእከል ጥዕና ሰዳር-ሳይናይ ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሉ ከምዝነበረ ማዕከናት ሚድያ ኣመረካ ሓቢረን።

ላሪ-ኪንግ ኣብ ህይወቱ ንሸውዓተ ኣንስቲ ተመርዕዩ ሓሙሽተ ቖልዑ ወሊዱ። ክልተ ደቁ፡ ጓሉ ቻያን ወዱ ኣንዲን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣኣብ ሰሙኖም ብሕማም መንሽሮ ሞይቶሞ።

ላሪ ኪንግ ኣብ 1998 ላራ ኪንግ ዝሽማ ንሕሙማት ልቢ ኣገልግሎት እትህብ ማሕበር ግብረ ሰናይ መስሪቱ፡ ናይ ኢንሹራንስ ውሕስነትን ዓቕምን ንዘይብሎም ጽጉማት ክሕግዝ ጸኒሑ እዩ።

ላሪ ንተኸተልቱን ሰማዕቱን የቐንየለይ ኢሉ።

ላሪ ኪንግ እናዓበየን እናደኸመን ምስ ከደ ሰማዕቲ ቃለ መሕትታቱ ከም ናይ ቀደም ኣዋጠርቲ ኣይከውንን ዘሎ ዝብል ርእይቶ ይህቡ ነይሮም።

ኣብዚ ናይ መወዳእታ ፕሮግራሙ ኣብ ሲኤንኤን ንተኸታትልቱ፡ "ብዘይካ የቐንየለይ እንታይ ክብለኩም ከምዝኽእል ኣይፈልጥን እየ" ኢሉዎም።

ላሪ ካብ ሲኤንኤን ምስ ለቐቐ፡ ኢንግሊዛዊ ፕረዘንተር ፒርስ ሞርጋን ተኪኡዎ - ግን እቲ ፕሮግራም ንነዊሕ ኣይቀጸለን።

ኣብዚ ዳሕራይ እዋን ከኣ ላሪ ኣብ መደበር ቴሌቪዥን ኣርቲ ንፕረዚደንት ፑቲን ሓያሎ ግዜ ቃለ መሕትት ገይርሉ ነይሩ።

ፕረዚደንት ፑቲን ከኣ ብክእለቱን ብቕዓቱን ወትሩ እዩ ዘመስግኖ።