ብጉዳይ ኣብ ናይ ጽዕነት መኪና ተዓፊኖም ዝሞቱ 39 ስደተኛታት ዝተኸሰሱ ንማእሰርቲ ተፈሪዶም
![[ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኤሞን ሃሪሰን፣ ሮናን ሃግስ፣ ጆርጅ ኒካን ማውሪስ ሮቢንሰንን](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/10A6B/production/_116630286_harrisonhughesnicarobinson.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, Essex Police
ኣብ ደቡብምብራቕ እንግሊዝ ግዝኣት ኤስክስ ኣብ ውሽጢ 'ሎሪ' ዝዓይነታ ናይ ጽዕነት መኪና ሞይቶም ምስ ዝተረኸቡ 39 ቬትናማውያን ስደተኛታት ብዝተሓሓዝ ዝተኸሰሱ 4 ውልቀሰባት ማእሰርቲ ተበይንዎም።
እቶም ስደተኛታት ኣዝዩ ብዘሕዝን ኩነታት ኣብ ውሽጢ ኮንተይነር እታ መኪና ብሕጸረት ኣየር ተዓፊኖም ከምዝሞቱ'ዩ ተረጋጊጹ።
ነቶም ስደተኛታት ኣብ ምስግጋር "መሪሕ እጃም" ነይርዎም ዝተበሃሉ ወዲ 41 ዓመት ሮናን ሃግስ 20 ዓመት ከምኡ'ውን ወዲ 43 ጆርጅ ኒካ 27 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪድዎም ኣሎ።
ክልተ ዘወርቲ'ታ መኪና ድማ ብቕትለት እቶም ስደተኛታት ማእሰርቲ ከምዝተፈረዶም ተፈሊጡ።
ወዲ 24 ዓመት ኤሞን ሃሪሰን እቶም ስደተኛታት ናብ ብሪጣንያ ቅድሚ ጉዕዞ ምግባሮም፡ ናብ ዚብራግ ወደብ ቤልጂየም ከምዘብጽሖም ቤት ፍርዲ ኣመልኪቱ'ሎ። በዚ ድማ 18 ዓመት ማእሰርቲ ተወሲንዎ።
13 ዓመትን 4 ወርሕን ማእሰርቲ ዝተፈረዶ ወዲ 26 ዓመት ማውሪስ ሮቢንሰን ድማ ነታ ዓባይ ናይ ጽዕነት መኪና ተረኪቡ ምስከፈታ ነቶም ስደተኛታት ሞይቶም ዝረኸበ እዩ።
ካልኦት ሰለስተ ኣባላት እቲ ጉጅለ ሰምሰርቲ'ውን ነቲ ዘይሕጋዊ ዝውውር ስደተኛታት ብምስላጥ ተኸሲሶም ማእሰርቲ ተበይንዎም ኣሎ።
ነቲ ፍርዲ ዝወሰነ ዳኛ ጀስቲስ ስዊነይ "ብፍላይ ንቬትናማውያን ነዚ ኩሉ መገዲ ኣሕሊፍካ ክተስግር ምኽኣል ዝተሓላለኸ፣ ነዊሕ ዝወሰደን ኣትራፍን ከምዝኸውን ኣይጠራጠርን" ኢሉ።

ነቶም ስደተኛታት ጽዒና ትጓዓዝ ዝነበረት መኪና ኣብ እትንቀሳቐሰሉ ዝነበረት እዋን ዋዒ ከምዝነበረ ድማ ኣዘኻኺሩ።
ኣስዒቡ "ካብ ውሽጢ እቲ ኮንተይነር ኮይኖም ኣብ ደገ ንዘሎ ሰብ ብስልኪ ክራኸቡን ንናሕሲ እቲ ኮንተይነር ሰይሮም ክወጽኡን ዝላዕለ ድልየት ነይርዎም" ክብል እቶም ግዳያት ንዝነበሩሉ ኩነታት ኣረዲኡ።
እቲ ቤት ፍርዲ ካብቶም ስደተኛታት ዝልኣኹ ናይ መወዳእታ መልእኽታት ስልኪ ዝሰምዐ ኮይኑ፤ ብፍላይ ሓደ ስደተኛ ብዝተቖራረጸን ዝደኸመን ድምጺ ንስድርኡ ይቕሬታ ዝሓተተሉ ድምጺ ቀሪቡ'ዩ።
"ከተንፍስ ኣይከኣልኩን" ክብል ኣብቲ ናይ ስልኪ ድምጺ ተሰሚዑ።











![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
