ኣብ ቬትናም ብዘጋጠመ ሓደጋ ምህማም መሬት 22 ወተሃደራት ተቐቢሮም

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ቬትናም ዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ብዘኸተሎ ምህማም መሬት ናይ ዝተቐበሩ 11 ወተሃደራት ኣስከሬን ንምርካብ ዝግበር ጽዕሪ ቀጺሉ'ሎ።
ዛጊድ ኣስከሬን 11 ወተሃደራት ካብ ዝተቐበሩሉ ምውጻእ ከምዝተኸኣለ ተፈሊጡ። እቶም ወተሃደራት ኣብ ገዛውቶም [ወተሃደራዊ ገዛውቲ] ከለዉ'ዩ እቲ ሓደጋ ዘጋጠሞም።
እቲ ኣብ ለይቲ ዘጋጠመ ምህማም መሬት፡ ድምጹ "ልክዕ ከም ነታጒ ከምዝነበረ" ሓደ በዓልስልጣን ተዛሪቡ።
ቬትናም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብኸቢድ ዝናብ ክተዕለቕልቕ ዝቐነየት ኮይና፡ ሓደጋታት ውሕጅን ምህማም መሬትን ብውሕድ 70 ሰባት ቀቲሎም'ዮም።
ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ድማ ሓደጋ ውሕጅ ክውስኽ ከምዝኽእል ስግኣታት ኣሎ።
መንግስቲ እታ ሃገር፡ እቶም ወተሃደራት ናብ ሎሚ ሰንበት ኣብ ዘውግሕ ሰዓታት በቲ ምህማም መሬት ሓደጋ ከምዘጋጠሞም ሓቢሩ'ሎ።
ናይቲ ከባቢ በዓል ስልጣን ሃ ጎክ ዶንግ "ካብ ለይቲ ሰዓት 2፡00 [8፡00 ኣ.ኢ] ጀሚሩ ካብ 4 ክሳብ 5 መህማም መሬት ዘጋተመ ኮይኑ ልክዕ ከም ነታጓ ነይሩ። ዳርጋ እቲ ጎቦ ዝፈርስ ዘሎ የምስል" ክብል ንሓደ መርበብ ዜና ኣረዲኡ።
ሰራሕተኛታት ምድሓን ነብሲ ንኣስከሬን ግዳያት እቲ ሓደጋ ንምርካብ ኣብ ጻዕሪ ይርከቡ።
እቲ ከቢድ ሓደጋ ምህማም መሬት ኣጋጢሙ ዘሎ፡ ንሰራሕተኛታት ሓይሊ ኤለክትሪክ ከድሕኑ ዝወፈሩ ዝበዝሑ ወተሃደራት ዝርከብዎም 13 ሰራሕተኛታት ምድሓን ነብሲ ሞይቶም ካብ ዝርከቡ ድሕሪ መዓልታት'ዩ።










![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
