ኣብ ክርኦሽያ ብዝተኸሰተ ምንቅጥቃጥ መሬት ብውሑዱ ሸውዓተ ሰባት ሞይቶም

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኣብ ክርኦሽያ 6.4 ዓቐኑ ምንቅጥቃት መሬት ብምኽሳቱ ብዙሓት ሰባት መጉዳእቲ ከጋጥሞም እንከሎ ብውሕዱ 7 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒሰትር እታ ሃገር ኣንድረጅ ፕለንኮቪክ ናብታ ኣዝያ ዝተሃሰየት ከተማ ፐትሪንጃ በጺሑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ካብ ሞንጎ እቶም ዝሞቱ ጓል 12 ዓመት ከምእትርከቦም ሓቢሩ።

ምክትል እቲ ቀዳማይ ሚኒሰትር'ውን ናብ ከተማ ግሊና ብምኻድ ኣብታ ከተማ ሓሙሽተ ሰባት ብሰንኪ እቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ከምዝሞቱ ገሊጹ፡ እቲ ሻውዓይ ኸኣ ኣብ ዛዚና እትብሃል ከተማ ዝሞተ ከምዝኾነ መንግስታዊት መደበር ዜና ኣቃሊሓ።

ከንቲባ ከተማ ፐትሪንጃ ዳሪንኮ ዱምቦቪክ፡ ኣስታት ፍርቂ እታ ከተማ ከምዝዓነወን በቲ ፍርስራስ ንዝተጸቐጡ ሰባት ኣብ ምውጻእ ከምዝርከቡን ገሊጹ።

እቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ክሳብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ዝኾነት ከተማ ዛግረብ ከምኡ'ውን ክሳብ ሃገራት ቦዝንያ፡ ሰርብያን ጣልያንን ከምዝተሰመዐ ተገሊጹ።

ከንቲባ ከተማ ፐትሪንጃ ዳሪንኮ ዱምቦቪክ፡ ኣብታ ከተማ ብውሕዱ 20,000 ሰባት ከምዝነብሩን ድሕሪ እቲ ቀዳማይ ምንቅጥቃጥ መሬት ጽንሕ ኢሉ'ውን ፍኹስ ዝበለ ምንቅጥቃጥ መሬት ከምዝተሰመዐ ሓቢሩ።

ጓል 72 ዓመት ነባሪት ከተማ ፐትሪንጃ ማሪካ ፓቨሎቪክ ንኤፌፍፒ ከምዝበለቶ "ካብ ገዛና ወጺእና ኢና ዘለና፤ ክንምለስ እንተደሊና'ውን ክንምለስ ኣይንኽእልን ኢና፡ ኩሉ ነገር ፈሪሱ እዩ፡ ኤለትሪክ የለን" ኢላ።

ኣብ ከተማ ሲሳክ'ውን በቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ዝተሃሰዩ ሰባት ከምዘለዉን እተን ኣብታ ከተማ ዝርከባ ሆስፒታላት ብቁሱላት ኣዕለቕሊቐን ከምዘለዎ ኤችኣርቲ ዝተሰመየት ሃገራዊት ተለቪዥን እታ ሃገር ኣቓሊሓ።

ታሚስላቭ ፋበጃኒክ ሓላፊ ህጹጽ ሕክምናዊ ረዲኤት ከተማ ሲሳክ እዩ፡ ንሱ ካብቶም በቲ ምንቅጥቃት መሬት ተሃስዮም ናብ ሕክምና ዝመጽኡ ዘለዉ፡ ኣብ ርእስም ዓቢ ህራም ዘለዎምን ገለ ኸኣ መንቃዕትን መስበርትን ናይ ዓጽሚ ዘለዎም እዮም ብምባል ህጹጽ መጥባሕቲ ዘድልዮም ብዙሓት ሰባት ከምዘለዉ ገሊጹ።

ጂኤፍዚ ዝተሰመየ ማእከል ምርምር ጀርመን ከምዝሓበሮ፡ እቲ 6.4 ዓቕን ዝነበሮ ምንቅጥቃጥ መሬት 10 ኪሎሜተር ትሕቲ መሬት ዝጀመረ ኮይኑ ልክዕ ሰዓት 11:19 ጂኤምቲ ከምዝተሰምዐን፡ ድሕሪ ሓደ ሰዓት ኣቢሉ ኸኣ ካልእ ፍኹስ ዝበለ ምንቅጥቃጥ መሬት ከምዝተሰምዐ ኣብሪሁ።

ቀዳማይ ሚኒሰትር ኣንድረጅ ፕለንኮቪክ፡ እቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ምስ ኣጋጠመ ብቅልጡፍ ናብታ ዝያዳ ዝተሃሰየት ከተማ ፐትሪንጃ ብምኻድ ነቲ ኹነታት ድሕሪ ምዕዛብ "ንኹሉ ሰብ ዝሕግዝ ሰራዊት ኣዳሊና ኣለና፡ እቶም ኣብዛ ከተማ ዘለዉ ሰባት ብቅልጡፍ ይውጽኡ፡ ሕጂ'ውን ኣብዚ ምጽናሕ ውሑስ ኣይኮነን" ኢሉ።