ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ኣመሪካ ዊልያም ባር ቅድሚ በዓል ልደት ካብ ስልጣኑ ክወርድ'ዩ

Published

ሓደ ካብ እሙናት ደገፍቲ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራማፕ ዝኾነ ላዕለዋይ ዓቓቢ ሕጊ ኣመሪካ ዊልያም ባር፡ ቅድሚ ልደት ፈረንጂ ካብ ስልጣኑ ከምዝወርድ እቲ ፕረዚደንት ኣፍሊጡ።

ዊላያም ባር ዕድመ ስልጣኑ ምስ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ 20 ጥሪ 2021 እዩ ዘብቕዕ።

ኣብቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ፡ ነቲ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ 'ምጥፍፋእ ነይሩ እዩ' ኢሉ ዘቕረቦ ክሲ፡ ዊልያም ባር 'መርተዖ ዘይብሉ ክሲ' ኢሉ ስለዝነጸጎ ኣብ መንግኡን ኣብ ሞንጎ ትራምፕን ዘይምቕዳው ምፍጣሩ ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ላዕለዋይ ዓቓቢ ሕጊ ዊልያም ባር ስራሕ ንኸቋርጽ ደብዳበ ከምዝጸሓፈሉ ብትዊተር እዩ ሓቢሩ።

ዊልያም ባር፡ ኣብቲ ናብ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝጸሓፎ ናይ መሰናበቲ ደብዳበ፡ ሓሳባት ከየንወሐ 23 ታሕሳስ ስራሕ ክገድፎ ከምዝኾነ’ዩ ገሊጽሉ።

ብድሕሪ 23 ታሕሳስ ንዘሎ ግዜ፡ ምክትል ዓቓቢ ሕጊ ጅፍ ሮስን ከም ግዝያዊ ላዕለዋይ ዓቓቢ ሕጊ ኣመሪካ ኮይኑ ክሰርሕ ምዃኑ እቲ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ወዲ 70 ዓመት ዊልያም ባር፡ ጆርጅ ቡሽ ፕረዚደንት ኣብ ዝነበረሉ ኣብ 1990ታት እውን ላዕለዋይ ዓቓቢ ሕጊ ኣመሪካ ኮይኑ ሰሪሑ እዩ።

ዊልያም ባር፡ ኣብ 2019 ካብ ጥሮታ ናብ ስራሕ ብምምላስ፡ ንቦታ እቲ ብፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝተሰጎገ ጀፍ ተኪኡ ክሰርሕ ጸኒሑ።

ዊልያም ባር ነቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ኣመሪካ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ፡ እቲ ስዕርቱ ዘይተቐበለ ዶናልድ ትራምፕ ንዘቐረረቦ ክሲ፡ 'መርትዖ ዘይብሉ ክሱ' ኢሉ ስለዝመለሶ ኣብ ሞንጎኦም ዘይምቐዳው ክረአ ጸኒሑ እዩ።

ከም ውጽኢቱ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንዊልያም ባር ብትዊተር ከጥቕዖ ተራእዩ።

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጽሑፉ፡ ዊልያም ባር፡ ጉዳይ ወዲ ጂ ባይደን [ምስ ግብሪ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ዝተሓሓዝ] ብቤት ፍርዲ ይጻረ ምሃላዉ ብወግዒ ዘይምሕባሩ እዩ ነቒፍዎ።

ትራምፕ እቲ ጉዳይ ኣብ እዋን ጎስጓስ ስለዝነበረ፡ ዊልያም ባር ብዛዕባ ወዲ ጆ ባይደን ብወግዒ ሓቢሩ እንተዝነብር ንረብሓና ምኾነ ነይሩ ኢሉ።