ምንጻል ጥንሲ ዘፍቅድ ረቂቕ ሕጊ ኣርጀንቲና ዝለዓለ ድጋፍ ረኺቡ

ኣርጀንቲና

ምንጪ ስእሊ, EPA

Published

ፖለቲከኛታት ኣርጀንቲና ኣብታ ብዓብላሊ ቁጽሪ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ዘለውዋ ሃገር፡ ምንጻል ጥንሲ ሕጋዊ ዝገብር ረቂቕ ሕጊ ንኽጸድቕ ዝድግፍ ድምጺ ሂቦም።

እዚ ድማ ነቲ ብተጣበቕቲ መሰላት ደቂኣንስትዮ ዝካየድ ዝነበረ ጎስጓስ መልሲ ከምዝሃበ ይግለጽ ኣሎ።

ኣባላት ታሕተዋይ ባይቶ ኣርጀንቲና ኣብቲ ረቂቕ 131 ብ 117 ዝኾነ ድምጺ ሂቦም። እቲ ዝለዓለ ድምጺ ድማ ንሕጋውነት ምንጻል ጥንሲ ዝድግፍ ኮይኑ።

እንተኾነ እቲ ረቂቕ ሕጊ፤ ስሩዕ ሕጊ ኮይኑ ንኽወጽእ ናይ ግድን ብላዕለዋይ ሰኔት እታ ሃገር ክሓለፍ ኣለዎ። እቲ መስርሕ ምሃብ ድማጺ’ውን ክሳብ መዛዘሚ 2020 ክካየድ ትጽቢት ይግበር።

ኣብ ኣርጀንቲና ጥንሲ ዘውረዳ (ዝነጸላ) ደቂኣንስትዮ ክስታት’ዩ ዝጽበየን።

ብፕረዚደንት ኣልቤርቶ ፈርናንደዝ ዝቐረበ ሓድሽ ረቒቕ፡ ክሳብ 14 ሰሙን ኣብ ዘቑጸረ ጥንሲ ጥራይ ምንጻል ከምዘፍቅድ ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብታ ሃገር ብጾታዊ ዓመጽ ጥንሲ ንዘጋጠመን ደቂኣንስትዮ ኣብ ዝህልዋን እቲ ጥንሲ ኣብ ጥዕና እታ ኣደ ሓደጋ ዘኽትል ምዃኑ እንተተረጋጊጹን’ዩ ምንጻል ዝፍቀድ።

ታሕተዋይ ባይቶ ኣርጀንቲና ካብ ሓሙስ ክሳብ ወጋሕታ ዓርቢ ን20 ሰዓታት ዝጸንሐ ክትዕ ብድሕሪ ምክያድ ነቲ ረቂቕ ከምዘጽደቐ ይግለጽ።

እቲ ኣብ ላዕለዋይ ሰኔት ዝካየድ ክትዕ ከኣ ካብዚ ዝበለጸ ከምዝኸውን ትጽቢት ይግበር።

ኣብ 2018 እቲ ታሕተዋይ ባይቶ ንምንጻል ጥንሲ ዝምልከት ተመሳሳሊ ውሳነ ኣሕሊፉ እንተነበረ’ኳ፡ ላዕለዋይ ሰኔት እታ ሃገር ግን ውድቂ ገይርዎ ነይሩ።

“ኣነ ካቶሊክ እየ ግን ከኣ ንኹሉ ዝገዝእ ሕጊ ክሕግግ ኣለኒ” ዝበለ ፕረዚደንት ፈርናንደዝ “እዚ ኣዝዩ ዘገድስ ጉዳይ ጥዕና ሕብረተሰብ እዩ” ክብል ኣረዲኡ።

ቤተክርስትያን ሮማን ካቶሊክ ግን ንውሳነ ፖለቲከኛታት ኣርጀንቲና ዘለዋ ተቓውሞ ኣስሚዓ’ላ።

ሚንስተር ደቂኣንስትዮ፣ ስርዓተ ጾታን ብዙሕነትን እታ ሃገር ኤሊዛቤት ጎሜዝ ግን፤ “ኣብ ታሪኽና ሓድሽ ምዕራፍ ጽሒፍና” ክትብል ነቲ ውሳነ ዘለዋ ደገፍ ብትዊተር ሓቢራ።

ነቲ ረቂቕ ሕጊ ዝደገፉን ዝተቓወሙን ጉጅለታት ድማ ኣብ ኣፍደገ ህንጻ እቲ ኮንግረስ ተኣኻኺቦም ኣለዉ።

መንግስቲ ኣርጀንቲና ከምዝሕብሮ፡ ብሰንኪ ውሑስ ዘይኮነን ሕቡእን ፈተነ ምንጻል ጥንሲ፡ ዓመታዊ ኣስታት 38 ሽሕ ደቂኣንስትዮ ንሕክምና ናብ ሆስፒታላት ክኣትዋ ይግደዳ።