44 ሰባት ዝሓዘት መርከብ ኣርጀንቲና ደሃያ ጠፊኡ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ፡ 44 ሰባት ሒዛ ኣብ ስራሕ ዝነበረት መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኣርጀንቲና ደሃያ ጥፊኡ።
ምስታ መርከብ ዝነበረ ርክብ ካብ ዝቋረፅ ክሳብዚ ኣለሻ ዝካየደሉ ዘሎ ግዜ ዋላ ሓደ ኣፋፍኖት ኣይተረኽበን።
ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ሓይሊ ባሕረን ናብ ኣርጀንቲና ብምልኣኽ፡ ደገፈን ዘርአያ እንትትኾና፡ ኣሜሪካ እውን ብጣዕሚ ዘመናዊ ዝኾነ መድለይ መርከብ ብምልኣኽ፡ ናብቲ ኣለሻ ተፀንቢራ።
እዛ መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኣርጀንቲና፡ ካብ ወደብ ኣርጀንቲና 430 ኪሎ ሜትር ብምርሓቕ፡ ናብ ውቅያኖስ ኣትላንቲክ ምስ ኣተወት እያ ደሃያ ጠፊኡ።
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ወሽመጥ ቫልዴዝ ምልክታት ምርኣዮም ስዒቡ፡ ትካል ምርምር ህዋ ኣሜሪካ ናሳ፡ ዋላ እኳ ናብቲ ከባቢ ነፋሪት እንተልኣኸ ክዕወት ኣይከኣለን።
ኣብቲ እዋን ዝነበረ ከቢድ ኩነታት ኣየር እቲ ኣለሻ ንክትኣጓጎል ምኽንያት ኮይኑ እዩ።
"ካብ ሽድሽተ ክሳብ ሸሞንተ ሜትር ዘለዎ ማዕበል፡ ኣለሻና ከቢድ ንክኾን ገይርዎ" ክብሉ ሓይሊ ባሕረኛ ኣድሚራል ባግርኤል ጎንዛሌዝ ተዛሪቦም።
"ዘይምዕዳል ኮይኑ እዚ ኩነታት ኣየር ንዝቕጽል 48 ሰዓታት ክፀንሕ'ዩ" ብምባል ድማ ስግኣቶም ገሊፆም።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሓይሊ ባሕሪ ኣርጀንቲና እታ መርከብ እንተውሓደ፡ ንክልተ ሰሙናት ዝኣክል ኦክስጅን፣ ምግብን ማይን ሒዛ ከምዝተጓዓዘት ኣፍሊጡ።
እታ መርከብ ካብ ደቡብ ኣሜሪካ ደቡባዊ ጫፍ፡ ዝነበራ ልኡኽ ፈፂማ፡ ኣብ ደቡባዊ ቦነስ ኣይረስ ናብ ዝርከብ ኑቕጣ ትምለስ ምንባራ ተፈሊጡ ኣሎ።
ምስ ተቖፃፃሪ ሓይሊ ባሕሪ ዝነበራ ርክብ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ንጉሆ እዩ ተቛሪፁ።
ሓይሊ ባሕሪ ኣርጀንቲና ምስ ካልኦት መሻርኽቱ፡ ዝተጠናኸረ ኣለሻ እኳ እንተካየደ፡ ዋላ ሓደ ኣፋፍኖት ክርከብ ኣይከኣለን።
ምናልባት ብምኽንያት ምቁራፅ ሓይሊ፡ እታ መርከብ ምስ ዋና ጣቢያ ዝነበራ ርክብ ክቋረፅ ከም ዝኽኣለ ግምታት ኣለዉ።
ይኹን እምበር ዋላ እኳ እቲ ርክብ እንተተቋረፀ፡ እታ መርከብ ኣብ ቀረብኣ ናብ ዝርከብ ጣቢያ ክትኸይድ ከምዝነበራ፡ እናተገለፀ ይርከብ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
