ኣንገላ መርከል፡ ነፋሪታ ብተክኒካዊ ጸገም፡ ሃንደበት ክትዓልብ ብምግዳዳ መገሽኣ ተዓናቂፉ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
Published
መራሒት ጀርመን፡ ኣንገላ መርከል፡ ኣብ በረራ ብሰንኪ ዘጋጠመ ብልሽት፡ ዝነበረትላ ነፋሪት ብሃንደበት ክትዓልብ ብምግዳዳ፡ ኣብ ኣርጀኒቲና ኣብ ዝካየድ ናይ ጉጅለ 20 ኣኼባ መኽፈቲ ኣይክትሳተፍን'ያ።
እታ መራሒት ሃገርን ምስኣ ዝተበገሱ ልኡኻንን፡ ኣብታ ነፋሪት ተክኒካዊ ጸገማት ብምግጣሙ፡ ኣብ ኮሎኝ ክዓልቡ ከም ዝተገደዱ እቲ ካብ ቤት ጽሕፈታ ዝተውሃበ መግለጺ ሓቢሩ።
እታ ነፋሪት ካብ ኔዘርላንድ ከም ዝተመለሰት፡ ዲፒኤ ዝተብሃለ ትካል ዜና ጸብጺቡ።
እቲ ተክኒካዊ ጸገም ብልክዕ እንታይ ምዃኑ እኳ እንተዘይተገለጸ፤ መርከል ብዓርቢ ጉዕዞኣ፡ ናብ ቡወኖስ ኣይረስ፡ ክትቅጽል ምዃና ጸብጻባት ይሕብሩ።
እታ ነፋሪት ኣብ ዝዓለበትሉ ናይ ህጹጽ ረድኤት መካይን ክዕጅብኣ ከለዋ፤ መርከልን ልኡኻን ጀርመንን ብኣውቶቡስ ኣብ ቦን ናብ ዝርከብ መዕረፊ ከም ዝተወስዱ ተገሊጹ።
እታ ኣየርባስ ኤ340 ዝዓይነታ ብመንግስቲ እትውነን ነፋሪት፡ ኮንራድ ኣደናወር ብዝብል ስም ኢያ እትፍለጥ።
እታ ነፋሪት ከምዚ ሽግር ከጋጥማ፡ እዚ ናይ ፈለማ ኣይኮነን። ኣብ ጥቅምቲ ኣብ ኢንዶነዥያ ኣብ ዝተኻየደ ዓመታዊ ኣኼባ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ፡ ኤለክትሪካዊ ገመዳት እታ ነፋሪት ብኣናጹ ብምቁርጣሙ፡ ካብ በረራ ክትቦክር ተገዲዳ ምንባራ ዲፒኤ ጸብጺቡ።


![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
