ጀርመን ሓድሽ ደግሲ ኮሮናቫይረስ ንምቊጽጻር ጽኑዕ ሕጊ ኣውጺኣ

Published

ጀርመን፡ ሓዲሽ ደግሲ ኮሮናቫይረስ ንምቊጽጻር ኣብያተ ትምህርትን ዋኒታትን ከምዝዓጸወት ኣፍሊጣ።

እቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ክሳብ 10 ጥሪ ከምዝጸንዕ ተፈሊጡ። ኣብ እዋን 'ክሪስማስ' (ልደት)፡ ሓንቲ ስድራ ዓርባዕተ ናይ ቀረባ ኣዝማዶም ከተአንግድ ክፍቀደላ'ዩ።

ኣብታ ሃገር፡ ትማሊ ሮቡዕ ጥራሕ 952 ዝተለኽፉ ሰባት ተረኺቦም። ዛጊት 27,728 ሰባት ተለኺፎም ኣለው።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሓላፊት ኤውሮጳውዊ ሕብረት፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ መዓላ ክውዕል ኣብ ውሽጢ ሰሙን ፍቓድ ከምዝዋሃብ ኣፍሊጣ።

ቫን ደር ልየን ንባይቶ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ጀርመን ዝስራሕ ዘሎ ክታበት ፋዘር ዝተባህለ ኣብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ክዝርጋሕ ምዃኑ ኣፍሊጣ።

እቲ ዜና መንግስቲ ጀርመን ኣብ ልዕሊ ተቖጻጸርቲ መድሃኒት ኤወሮጳ ጸቕጢ ኣብ እትገብረሉ እዋን'ዩ ዝወጽእ ዘሎ።

እቲ መድሃኒት ኣብ ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ድሮ ፍቓድ ረኺቡ ምህላዉ ይፍለጥ።

ኣብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ

መንግስቲ ፈረንሳ ነቲ ኣዊጅዎ ዝነበረ ዕጽዋ፡ ብግዜ እቶ እቶ ተኪእዎ። ሰባት ብዘይፍቓድ ካብ ገዝኦም ክወጽኡ ኣይክፍቀደሎምን እዩ።

ኣብ ድሮ ክሪስትማስ እቲ ሕጊ ከምዝፈኩስን፡ ኣብ እዋን ሓድሽ ዓመት ግን ክጸንዕ ምዄኑ ተገሊጹ።

ቤት-ብልዕን መስተን ክሳብ 20 ጥሪ ተዓጽዩ ክጸንሕ'ዩ።

ኣብ ፈረንሳ፡ ክሳብ ሕጂ 59,072 ሰባት ብሕማም ኮሮናቫይረስ ሞይቶም ኣለው።