እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኬንያ ስኑዕ ወረቐት መርመራ ኮሮናቫይረስ ዘቕረቡ ተጓዓዝቲ ተኣሲሮም
ካብ ኬንያ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝገሹ ዝነበሩ 21 ተጓዓዝቲ፡ ስኑዕ ውፅኢት ምርመራ ኮቪድ-19 ብምቕራቦም ከምዝተኣሰሩ ተገሊፁ።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ቅድሚ ሕዚ እውን ካብ ኬንያ ዝኣተዉ ገያሾ፡ ስኑዕ ውፅኢት ምርመራ ኮሮናቫይረስ ኣቕሪቦም ብዝብል፡ እገዳ ቪዛ ኣንቢራ እያ።
እቶም ጥርጡራት ሎሚ ናብ ቤት-ፍርዲ ከምዝቐርቡ፡ መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ፀብፂበን።
ኬንያ፡ ውሱን ምንካይ ኣርእዩ ዝነበረ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፡ ንካልኣይ ዙር ምድጋሱ ስዒቡ፡ ህዝባዊ ኣኼባታት ከልኪላ ትርከብ።
ኣብ መፈለምታ እዚ ሰሙን፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ንኬንያ፣ ሶማልያ፣ ቱንዝያን ኣልጀርያን ሓዊሱ፡ ን13 ሃገራት ናይ ቪዛ እገዳ ጌራ ኣላ።
እዞም ትማሊ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ 21 ተጓዓዝቲ፡ ካብ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ተበጊሶም፡ ናብ ርእሰ ከተማ ኢማራት ዓረብ ምስተጓዓዙ፡ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ እዮም፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎም።
እቲ ስኑዕ ናይ ሕክምና ሓበሬታ ድማ፡ ካብ ኮሮናቫይረስ ናፃ ምዃኖም ዘርኢ እዩ።
ብተመሳሳሊ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ካብ ኬንያ ናብ ዱባይ ካብ ሞንጎ ዝኸዱ ገያሾ፡ ኣስታት 100 ኬንያውያን፡ ናይ ሓሰት ሓበሬታ ሒዞም ተረኺቦም እዮም። ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ብዝተገበረሎም ምርመራ ድማ፡ እቲ ቫይረስ ከምዝተረኸቦም ተገሊፁ።
ኣብ ኬንያ ዛጊድ 80 ሽሕን 102 ሰባት፡ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ እንትኾኑ፡ 1,427 ሰባት ድማ፡ በቲ ቫይረስ ሞይቶም ኣለዉ።
ሚኒስተር ጥዕና ኬንያ፡ ኣብቶም ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 780 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፉ ብምግላፅ፡ ህዝባዊ ኣኼባታት ከይካየዱ ከልኪሉ።
ኣብ መርዓ ክርከቡ ዝኽእሉ ብዝሒ ሰባት 50፤ ኣብ ቀብሪ ድማ 100 ሰባት ጥራሕ ምዃኖም፡ እቲ ሚኒስተር ኣፍሊጡ።
ኣብያተ-ክርስትያን እታ ሃገር እውን፡ ኣገልግሎተን ናብ 90 ደቒቕ ክንክያ ሓድሽ መምርሒ ወጺኡለን ኣሎ።