እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
እንግሊዝ ንመጻኢ ሓደ ወርሒ ዳግማይ ዕጽዋ ኣዊጃ
እንግሊዝ ንመጻኢ ሓደ ወርሒ ዳግማይ ዕጽዋ ኣዊጃ። እቲ ዝተኣወጀ ዕጽዋ ዝመጽእ ሓሙስ እዩ ክጅምር።
ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ሕዚ ከምኡ ምግባር፡ ስድራታት መጻኢ በዓል ክሪስማስ ምስ ኩሎም ኣባላት ስድረኦም ተራኺቦም ተሓጒሶም ከሕልፍዎ ክሕግዝ እዩ ይብል።
ብመሰረት እቲ ሓድሽ ኣዋጅ፡ ኣብያተ መሰተ፤ እንዳ ምሸታዊ ተልሂትን፣ ጂምን መሰረታዊ ዘይኮኑ ኣቑሑ ዝሸጡ ድኳናትን ክዕጸው እዮም።
ይኹን'ምበር ኣብያተ ትምህርትን ኮሌጃትን ኣይክዕጸዋን- ተባሂሉ።
እቲ ኣዋጅ፡ ንገለ ተወከልቲ ሃገራዊ ባይቶ እታ ሃገር ኣቖጢዕዎም ኣሎ።
ገለ ነጋዶ ድማ፡ "ዘይጥዑም ክራማት ክንቅበል ገይሩና" ኢሎም ዓወጽዎጽ ይብሉ ኣለዉ።
ተወከልቲ ህዝቢ: ብዛዕባ እቲ ኣዋጅ ኣብ መጻኢ ረቡዕ ድምጾም ክህብሉ እዮም።
ሌበር ፓርቲ ፡ ነቲ ኣዋጅ ከምዝድግፍ ድሮ ኣፍሊጡ ኣሎ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር እቲ ዳግመ-ለበዳ ኮቪድ-19 ንምቁጽጻር ዘተኣታትዎ ዘሎ ሓድሽ ናይ ዕጽዋ ኣዋጅ: ክሳብ ታሕሳስ 2 ዝጸንሕ ምዃኑ እንተተገልጸ'ኳ፡ ካቢነ ሚኒስተር ሚካኤል ጎቭ ግን እቲ ዕጽዋ ካብኡ ንላዕሊ'ውን ክጸንሕ ከምዝኽእል ከምዝተዛረበ: ስካይ ኒውስ ጸብጺቡ።
እቲ ዕጽዋ ዝጸንሐሉ እዋን፡ 'ኣር-ሬት' ማለት'ውን 'ሓደ ሰብ ንክንደይ ሰባት የመሓላልፍ ኣሎ' ዝብል - መጠነ ለብዒ ናይቲ ለበዳ ከምዝውስኖ እዩ ዝዛረብ።
"ንመጠን እቲ ለበዳ ክነጉዱሎ ኢና-ኢልና ተስፋ ንገብር" ድማ ኢሉ።
ኣብ ብሪጣንያ፡ ለበዳ እቲ ሕማም ኣዝዩ እናወሰኸ ዝመጽአ እንትኸውን፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ቀዲሙ ስጉምቲ ኣይወሰደን ኢሎም ዝነቕፉዎ'ውን ኣይተስኣኑን።