ኮቪድ-19፡ ኣብ ብሪጣንያ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ተታሒዞም ናብ ሆስፒታል ዝኣትዉ ወሲኹ

Published

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብኮቪድ ተታሒዞም ናብ ሆስፒታል ናይ ዝኣትው ዘለው ሰባት ብዝሒ ከምዝወሰኸ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣፍሊጡ።

እቲ መግለጺ ህጹጽ ሓገዝ ዘድልዮም ሽማግለታት ናብ ሆስፒታላት ይኣትው ብምህላዎም፡ ኣብ ትካላትን ኣባላትን ሕክምና ዓባይ ብሪጣንያ ድሮ ጸቕጢ ክፍጠር ጀሚሩ ምህላው ሓቢሩ።

ካብቲ ዕጽዋ ዝተኣወጀሉ ዝሓለፈ መጋቢት ኣብዚ እዋን እዚ ንሕክምና ናይ ዝኣተው ብዝሒ ከምዝወሰኸ ናይ ኢንግላንድ ምክትል ጥዕና እቲ ዋሕዚ ዝየዳ ሞት ከኸትል ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ ኣሎ።

ኣብ ናይትንጌል ዝርከብ ናይ ኢንግላንድ ሆስፒታል ካብቲ ብዝያዳ ዝተጠቕዐ ክፋል ሰሜን ሕሙማት ንኪቕበል ክቀራረብ ተሓቢሩ ኣሎ።

ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ኣብዚ ሕጂ ዝቀላቐል ዘሎ ካልኣይ ማዕበል መጥቃዕቲ ኮሮና ቫይረስ ዝያዳ ጥንቃቐ ክግበርን ሰባት እቲ ክግበር ዘለዎ ጥንቃቐ ክገብሩ ከምዘለዎምን ብተደጋጋሚ የተሓሳስብ ኣሎ።