እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ክልተ ቆልዑ ዝርከብዎም ስደተኛታት ካብ ፈረንሳ ናብ ዓዲ-እንግሊዝ ክሰግሩ ጥሒሎም
ክልተ ቆልዑ ዝርከብዎም ስደተኛታት ብጃልባ ናብ ዓዲ-እንግሊዝ ክሰግሩ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን፡ ከምዝጠሓሉ ሰብመዚ ፈረንሳ ሓቢሮም።
እቶም ዝሞቱ ቆልዑ ደቂ 5ን 8ን ዓመት ክኾኑ እንከለዉ፡ ሓንቲ ሰበይትን ሓደ ሰብኣይን ግዳያት ምዃኖም ሰብመዚ ጠቒሶም። ኣብቲ ሎሚ ኣብ ኢንግሊሽ ቻነል ዘጋጠመ ሓደጋ፡ 15 ዝደሓኑ ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱ ተፈሊጡ'ሎ።
ኣብቲ እታ ጃልባ ዝጠሓለትሉ ገማግም ዳንከርክ ሰፊሕ ናይ ሂወት ኣድሕን ንጥፈታት ይካየድ ኣሎ።
ኣብ ቻነል (መጻብቦ) ህቦብላ ዝተሓወሶ ሕማቕ ኩነታት ኣየር ከምዘሎን ንዝካየድ ናይ ሂወት ኣድሕን ስርሒት በዳሂ ክኸውን ከም ዝኽእልን ይግለጽ ኣሎ።
ኣብቲ ናይ ምድላይ ስርሒታት፡ 4 መራኽብ ፈረንሳ፡ ሓንቲ ናይ ቤልጂም ሄለኮፕተርን፡ ሓንቲ ናይ ፈረንሳ ዓሳ እትገፍፍ ጃልባን ይሳተፋ ኣለዋ።
ዝምልከቶም ሰብመዚ ፈረንሳ ብወገኖም፡ ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ንምፍላጥ መርመራ ከምዝጀመሩ ገሊጾም ኣለዉ።
ኣብዚ ዓመት'ዚ ጥራይ ልዕሊ 7,400 ስደተኛታት ብተመሳሳሊ ኣገባብ ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ምስጋሮም ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣብ 2019 እውን 1,825 ሰጊሮም ነይሮም።
ሓደ ንመሰላት እቶም ኣብ ገማግም ፈረንሳ፡ ካለ፡ ዘለዉ ስደተኛታት ዝጣበቕ ማሕበር፡ "እዚ ዝጠፍእ ዘሎ ሂወት ነቶም ኣብ ፈረንሳን ብሪጣንያን ኣብ ስልጣን ዘለዉ ከበራብሮም ኣለዎ" ክብል ብውሑስ ኣገባብ ተቐባልነት ክረኽቡ ጸዊዑ።