ኮሮናቫይረስ፡ ፕረዚደንት ፖላንድ ኣንድርዘጅ ዱዳ ብኮሮናቫይረስ ተታሒዙ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ፖላንድ ኣንድርዘጅ ዱዳ ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዘን፡ ኣብ ደሓን ኩነታት ከምዘሎን ተገሊጹ።
ወዲ 48 ዓመት ዱዳ፡ ኮሮናቫይረስ ከምዝሓዞ ትማሊ ዓርቢ ከምዝተፈለጠ ቤት ጽሕፈቱ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ዱዳ፡ ካብቶም ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዙ ዝተፈለጡ ውሑዳት መራሕቲ ዓለም ኮይኑ ኣሎ።
ቅድም ክብል ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰንን በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ነይሮም።
ኣብ ፖላንድ በዝሒ መልከፍቲ ይዓርግ እዩ ዘሎ፤ ትማሊ ዓርቢ ጥራሕ'ኳ ልዕሊ 13,600 ሰባት በቲ ቫይረስ ተታሒዞም እዮም።
እታ ሃገር ኣብዚ እዋን ቀዳማይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን ቤት ምግቢታትን ዝርከቡዎም ትካላት ብኽፋል ብምዕጻው ገለ እገዳታት ኣንቢራ።
ፕረዚደንት ዱዳ መዓዝ እቲ ቫይረስ ከምዝሓዞ ኣይተፈለጠን፤ ኮይኑ ግና ብሶኒ ምስ ፕረዚደንት ቡልጋርያ ተራኺቡ ነይሩ።
ፕረዚደንት ቡልጋርያ ሩመን ራዲቭ እውን ተወሺቡ እዩ ዘሎ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፕረዚደንት ፖላንድ፡ ዓርቢ ንጉሆ ከይዲ ህንጸት ኣብ ሃገራዊ ሜዳ ስፖርት ዋርሰው ዝርከብ ሆስፒታል ከምዝበጸሐን፡ ንጓል 19 ዓመት ተዓዋቲት ቴንስ 'ፍሬንች ኦፕን' ኢጋ ስዌትድ እውን ሽልማት ከምዝሃባን እውን ተገሊጹ።
ኢጋ ዝኾነ ዓይነት ምልክት ከምዘይብላን ንባዕላ ግን ከምእትውሽብን ገሊጻ ኣለ።
ኣብ ፖላንድ ተኸሲቱ ዘሎ ካልኣይ ዙርያ መልክፍቲ ኮሮናቫይረስ፡ ካብቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ በዝሒ ዝለዓለ መልክፍቲ ብ 22 ዕጽፊ ዝዛየደ እዩ።
ኣብ ሆስፒታል በዝሒ ብሕሙማት ኮሮናቫይረስ ዝተትሓዘ መደቀሲ ድማ ብ6.5 ምኢታዊት ወሲኹ።
በቲ ተነቢሩ ዘሎ ሓድሽ ክልከላ፡ ልዕሊ ሓሙሽተ ሰባት ክእከቡን ህጻውንቲ ንበይኖም ክዛወሩን ዘይፈቅድ ኮይኑ፡ ልዕሊ 70 ዓመት ዝኾኑ ሰባት ድማ ካብ ገዝኦም ከይወጹ ይምከር።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
