ደቂ ኣንስትዮ ፖላንድ፡ ሕጊ ምንጻል ጥንሲ ብምቅዋም ሰልፊ ኣካይደን

ሰልፊ ደቂ ኣንስትዮ ፖላንድ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Published

ብኣሻሓት ዝቑጸራ ደቂ ኣንስትዮ ፖላንድ፡ እታ ሃገር ንዘውጸአቶ ሓድሽ ሕጊ ምንጻል ጥንሲ ብምቅዋም ኣብ መላእ ከተማታት እታ ሃገር ሰልፊ የካይዳ ኣለዋ።

ቤት ፍርዲ ፖላንድ ዝሓለፈ ሓሙስ፡ ካብ ናይ ቀረባ ዘመድ ብጻታዊ ዓመጽ ንዘጋጥም ጥንስን ኩነታት ጥዕና ኣደ ኣብ ሓደጋ ንዘውድቅ ድቅን ምንጻል ከምዝከኣል ኣዚዙ።

ቅድምኡ ኣብ ኣፈጣጥራኡ ጸገም ዘለዎ ድቂ እንተዘይኮይኑ፡ ብሕጋዊ መገዲ ዝተፈጸመ ጥንሲ ፈጺሙ ኣይንጸልን እዩ።

ፖላንድ ካብተን ጽኑዕ ሕጊ ምንጻል ጥንሲ ዘለወን ሃገራት ኣውሮጳ ሓንቲ ኮይና፡ ዓመታዊ ካብ 2 ሽሕ ዘይበልጽ ሕጋዊ ምንጻል ጥንሲ ጥራይ እዩ ዝፍጸም።

ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ግና፡ ኣስታት 200 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ካብታ ሃገር ወጺአን ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ጥንሲ ከምዝንጽላ ይገልጹ።

እታ ሃገር ብሰንኪ ዝርገሐ ኮቪድ ልዕሊ 10 ሰባት ብሓንሳብ ከይእከቡኳ ከልኪላ እንተላ፡ በቲ ሓዲሽ ሕጊ ምንጻል ጥንሲ ዝተቖጣዓ ደቂ ኣንስትዮ ግና ትማሊ ዓርቢ ንካልኣይ ለይተን ሓይል ሰልፊ የካይዳ ኣለዋ።

ሰልፊ ተቓወምቲ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ዓርቢ ንጉሆ፡ ኣብ ኣፍደገ ዋርሰው ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሓላፊ መሪሕ ውድብ እታ ሃገርን፡ ኣብ መንጎ ሰልፈኛታትን ፖሊስን ጎንጺ ተፈጢሩ ነይሩ።

ካብተን ሰልፈኛታት ሓንቲ ጓል 34 ዓመት ግዲንያ " ኣብዛ ሃገር ደቂ ኣንስትዮ ኣይኽበራን፤ ዝሰምዐና የለን" ብምባል ንማዕከን ዜና ቲቪኤን ተዛሪባ።

ሓላፊት ፌደሬሽን ደቂ ኣንስትዮን ምጣነ ስድራ ክርስቲና ካፑራ ድማ " [እቲ ውሳነ] መንግስቲ፡ ኣብ ልዕሊ ፍርቂ ብዝሒ እታ ሃገር ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ከብሪ ከምዘይብሉ ዘርኢ እዩ። ፈጺምና ኣይንርሰዖን ከኣ" ክትብል ንኤኤፍፒ ገሊጻ።

እቲ ብሓሙስ ሕገ መንግስታዊ ቤት ፍርዲ ፖላንድ ዝሃቦ ውሳነ፡ ናይ ኣፈጣጥራ ጸገም ኣብ ልዕሊ ዘለዎ ድቂ ዝካየድ ምንጻል ጥንሲ ምስ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር "ዘይጠዓዓም" ከምዝኾነ ይሕብር።

ነቲ ሓድሽ ሕጊ፡ ሊቀ ጳጳስ እታ ሃገር ስታኒስለው ጋደኪንን ፕረዚደንት እታ ሃገርን ክድግፍዎ እንከለዉ፡ ኣብታ ሃገርን ወጻእን ዘለዉ ተሓለቕቲ መሰላት ግን ይነቕፍዎ ኣለዉ።

ሰልፊ ተቓወምቲ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፖላንድ ጽኑዓት ተኸተልቲ ሃይማኖት ካቶሊክ ካብ ዝለወን ሃገራት ኣውሮጳኳ እኳ እንተኾነት፡ ኣብ ኢንተርነት ኣብ ዝተውሃበ ድምጺ ግን ነቲ ጥቡቕ ሕጊ ብዙሓት ሰባት ከምዝተቓወምዎ ሪፖርተር ቢቢሲ ኣዳም ኢስተን ይገልጽ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ፖላንድ ነበር ዶናልድ ተስክ እውን ካብቶም ነቲ ሕጊ ዝነቕፉ ሓደ እዩ።

ኮምሽነር ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ ዲንጃ ሚጃቶቪች እውን "ንመሰላት ደቂ ኣንስትዮ ዘሕዘነ መዓልቲ" ብምባል ተቓውምኡ ገሊጹ።