ካብ ብሬክሲት ክሳብ መረጻ 2027፡ ብሪጣንያን ኤውሮጳን ኣብ መስቀላዊ መንገዲ

ብሪጣንያ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ንምውጻእ ካብ እትመርጽ ዓሰርተ ዓመት ኣቝጺራ ኣላ።
ድሕሪ እቲ ውሳነ እታ ሃገር ኣብ ውሽጣዊ ቅልውላው ክትሕቈን ዝጸንሐት ኰይና፡ ትማሊ ሰኑይ ስልጣኑ ከም ዝሓደገ ዝገለጸ ቀዳማይ ምኒስተር ሰር ኪር ስታርመር ሓዊሱ፡ ኣብዚ ዓሰርተ ዓመት ሸውዓተ ቀዳሞት ምኒስተራት ክቕየሩ ተገዲዶም እዮም።
ምስዚ ተኣሳሲሩ፡ እቲ ብሰር ኪር ስታርመር ዝምራሕ ዝነበረ ምኒስትሪ ምስ ብራስለስ ዘለዎ ቍጠባዊ ርክብ ንምቅርራብ ዘበገሶ ሃቐናን ክሳብ ክንደይ ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ክቀራረብ ከም ዝግባእን ዝገልጽ ክትዕ ዳግማይ ናብ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ እታ ሃገር ተመሊሱ ኣሎ።
ጕዕዞ ሓድሽ ዘተን ጽኑዕ መርገጺ ሕብረት ኤውሮጳን
ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ዝግበር ሓድሽ ዘተ ብሰንኪ እዚ ኣብ ፖለቲካ ብሪጣንያ ዘሎ ዘይምርግጋእ ክዕንቀፍ ከም ዝኽእል ስግኣታት ይለዓል እዩ።
ብራስለስ እቲ ዘተ ምስቲ ንስታርመር ዝትክእ ሓድሽ ቀዳማይ ምኒስተር ክቕጽል እዩ ዝብል ግምት እኳ እንተለዋ፡ ነቲ ኣብ መወዳእታ ሓምለ ተወጢኑ ዝነበረ ዋዕላ ግን ክትምርምሮ ምዃና ገሊጻ ኣላ።
እቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዋና ተዛታዪ ሕብረት ኤውሮጳ ዝነበረን ሎሚ ድማ ኣብ ፖለቲካ ፈረንሳ ጐሊሑ ዝርከብን ሚሸል ባርንየ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ብወገን ብሪጣንያ ንዘተ ንዝተዘርግሐ ኢድ ክቕበል ከም ዝግባእ ይገልጽ።
ባርንየ ኣብዚ ኵሉ ጕዕዞ ዘተ፡ ብሪጣንያ ካብቲ ሕብረት ክትወጽእ እንከላ ፍሉይ ረብሓታት (cherry-picking) ክትረክብ ንዘቕረበቶ ጠለብ ብጽኑዕ ክቃወሞ ጸኒሑ እዩ።
እቲ ሓድሽ መንግስቲ ብሪጣንያ ቍጠባዊ ጸገማቱ ንምፍታሕ ምስ ሓባራዊ ዕዳጋ ኤውሮጳ ክቀራረብ እኳ እንተ ደለየ፡ ሃገሩ ናጻ ምንቅስቓስ ሰራሕተኛታትን ምወላን ክትቅበል ግን ኣይደለየን።
እዚ ጕዕዞ'ዚ ናብ ምስምማዕ ዝወስድ ጐደና ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ግምት እኳ እንተ ሃለወ፡ ባርንየ ግን ምስ ብሪጣንያ ዝግበር ፍሉይ ውዕል ንሓባራዊ ዕዳጋ ኤውሮጳ ኣብ ሓደጋ ዝኸትት ብምዃኑ፡ ካልእ ኣማራጺ የሎን ብምባል ጽኑዕ መርገጺ ሒዙ ኣሎ።
ተለዋዋጢ ኵነታት ዓለምን እቲ ካብ ውሽጢ ዝለዓል ዘሎ ሓደጋን
ካብቲ ብሬክሲት ዝተወሰነሉ እዋን ጀሚሩ ዓለም ብናህሪ ተቐይራ እያ።
ኣመሪካ ብመሪሕነት ዶናልድ ትራምፕ ዘይተገማቲት ክትከውን እንከላ፡ ሩስያ ድማ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወተሃደራዊ ስጕምቲ ካብ እትወስድ ጀሚሩ፡ ንዩክለሳዊ ሓደጋታት ሓዊሱ ጸጥታ ኤውሮጳ ተናዊጹ እዩ።
ብዘይካ'ዚ፡ ቻይና'ውን ተወሳኺ ብድሆ ኰይና ኣላ።
ሕብረት ኤውሮጳ ካብ ግዳማዊ ብድሆታት ብተወሳኺ፡ ካብ ውሽጡ እውን ተመሳሳሊ ናይ ህልውና ሓደጋ የጋጥሞ ኣሎ።
ኣብ ኵለን ሃገራት ኤውሮጳ ንሕብረት ኤውሮጳ ዝቃወሙ የማናውያን ሰልፊታት ተሰማዕነቶም እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።
ባርንየ ከም ዝገለጾ፡ እቲ ናይ ብሪጣንያ ውሳነ ንኽልተኦም ወገናት ክሳራ (lose-lose) እዩ ነይሩ። ይዅን እምበር፡ ኣብዚ ዘይተረጋገጸ ዓለም፡ ሕብረት ኤውሮጳ ሓድነቱን ሓባራዊ ዕዳጋኡን ክሕሉ ኣለዎ።
ባርንየ፡ "ኣብ ኵለን ሃገራትና ከም መራሒ ሰልፊ ጽገና (እረማ) ብሪጣንያ ኒጀል ፋራጅ ዝበሉ፡ ንፈረንሳ ዝወክሉ ማርን ለ ፐን ወይ ዮርዳኖስ ባርደላ ዝኣመሰሉ ንሕብረት ኤውሮጳ ከፍርሱ ዝደልዩ የማናውያን ኣለዉና፡" ብምባል የጠንቅቕ።
ፋራጅ ብወገኑ ንሕብረት ኤውሮጳ እኳ እንተ ጸልኦ፡ ዕላማኡ ግን ምሉእ ብምሉእ ንምፍራስ ከም ዘይኰነ ይገልጽ።

ምርጫ 2027ን ናይ የማናውያን ስትራተጅያዊ ምትሕብባርን
ሚሸል ባርንየን መሻርኽቱን ዝሰግእሉ ዓቢ ነገር፡ ምስ ሃገራት ወጻኢ ዝግበር ፈታኒ ቍጠባዊ ስምምዓት፡ ነቶም ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ክለቁ ወይ ሕግታቱ ከዳኽሙ ዝጽውዑ የማናውያን ሰልፊታት ዘበራትዕ ምዃኑ እዩ።
መራሒ የማናዊ ሰልፊ ፈረንሳ (RN) ዝዀነ ፋብሪስ ለገሪ፡ እቲ ኣብ 2027 ዝካየድ መረጻ ፈረንሳ ንዓታቶም ዓቢ ናይ ዓወት መድረኽ ክኸውን ከም ዝኸል ብምእማን ብተስፋ ይጽበዮ ኣሎ።
የማናዊ ሰልፊ ፈረንሳ፡ ንስደተኛታት ዝምልከት ጽኑዕ ሕጊ ክህሉ፡ ነቲ ንኢንዱስትሪታት ዝጐድእ ዝበሎ ናይ ቀጠልያ ልምዓት ሕግታት ክስረዝ፡ ፈረንሳ ንባጀት ሕብረት ኤውሮጳ ትስልዖ ክፍሊት ክትቅንስን ንዩክረይን ዝወሃብ ወተሃደራዊ ሓገዝ ክቋረጽን ይጽውዕ።
2027 ኣብ ኵለን ዓበይቲ ሃገራት ኤውሮጳ (ከም ፈረንሳ፡ ኢጣልያ፡ ስጳኛን ፖላንድን) ዓቢ ምርጫ ዝካየደሉ ዓመት እዩ።
የማናውያን ሓይልታት ብሓባር ኰይኖም ንሕብረት ኤውሮጳ ካብ ውሽጡ ክቕይሩዎ ይሓልሙ።
ከምቲ ቅድሚ ሕጂ መራሒ ሃንጋሪ ቪክቶር ኦርባን ንውሳነታት ሕብረት ኤውሮጳ ክዓግት ዝጸንሐ ተመኵሮ፡ ፈረንሳ በይና እኳ ንሕብረት ኤውሮጳ ከተንበርክኾ ትኽእል እያ።
ለገሪ፡ ቅድሚ ግዜያት በዓል ልደት ምስ መራሒ ሰልፊ ጽገና ኒጀል ፋራጅ ኣብ ለንደን ተራኺቦም ከም ዝተዘራረቡን ፋራጅ ቀዳማይ ምኒስተር ብሪጣንያ እንተዀይኑ ዓቢ ስትራተጅያዊ ምትሕብባር ክፈጥሩ ከም ዝኸሉን ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, PA Media
ድሕሪ ብሬክሲት ዘሎ ክውንነትን ተረባሕነት ሓድነትን
ሕብረት ኤውሮጳ ምስ ብሪጣንያ ዘለዎ ቍጠባዊ ምትእስሳር ክቕጽል እኳ እንተ ደለየ፡ መብዛሕትኡ ህዝቢ ብሪጣንያ ግን ካብዚ ርክብ እንታይ ክረክብ ከም ዝደሊ ብንጹር ክሳብ ዝፈልጥ፡ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ብሪጣንያ ዝግበር ዓበይቲ ውዕላት ክጽበ እዩ።
ክሳብ ሽዑ ግን ብዘይካ እተን ምስ ብሪጣንያ ዝለዓለ ንግዳዊ ርክብ ዘለወን ሃገራት (ከም ኣየርላንድ፡ በልጁምን ኔዘርላንድስን)፡ መብዛሕትአን ሃገራት ኤውሮጳ በቲ ዘሎ ውዕል ንግድን ምትሕብባርን (TCA) ዕጉባት እየን።
ኣብ 2016 ብሬክሲት ክውሰን እንከሎ፡ ኣብ ኵለን ሃገራት ኤውሮጳ ተኸታታሊ ተርእዮታት ምውጻእ (domino effect) ክመጽእ እዩ ዝብል ስግኣት ነይሩ እዩ።
ይዅን'ምበር፡ እቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝተራእየ ፖለቲካዊ ቅልውላው ጽልዋ ገይሩ ነይሩ እዩ፤ ንህዝቢ ኤውሮጳ ድማ ዓቢ ትምህርቲ ዝቐስመሉ ተመኵሮ ኰይኑ ኣገልጊሉ።
ብመሰረት ሓድሽ መጽናዕቲ ማእከል ምርምር ፒው፡ 62% ካብ ህዝቢ ኤውሮጳ ንሕብረት ኤውሮጳ ብእወታዊ ዓይኒ ይርእዩዎ፤ እዚ ድማ ካብቲ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ዝነበረ 49% ዝለዓለ እዩ።
ከም ዩክረይን ዝኣመሰላ ሃገራት'ውን ናብዚ ሕብረት ክጽንበራ ብጽኑዕ ይጽዕራ ኣለዋ።
ኵሎም መራሕቲ ኤውሮጳ ሕብረት ኤውሮጳ ፍጹም ከም ዘይኰነ እኳ እንተ ኣመኑ፡ ብፍላይ ድሕሪ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ግን፡ ኣብዚ ዘይተረጋገጸ ዓለም ብሓባር ምጽናሕ ሓለዋ ድሕነት ከም ዘለዎ ተገንዚቦም ኣለዉ። ባርንየ ከም ዝገለጾ፡ ብሬክሲት ሎሚ ታሪኽ ኰይኑ እዩ፤ እቲ ንብራስለስ ዘሻቕላ ዘሎ ግን እቲ ካብ ውሽጢ ዝለዓል ዘሎ ናይ የማናውያን ተጻብኦ እዩ።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
