እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስለምንታይ ናይጄሪያውያን ብቢዮንሴ ተቖጢዖም?
ኣብ ናይጄሪያ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ፡ #ኢንድሳርስ ብዝብል ጎስጓስ ማሕበራዊ ሚዲያ ሳርስ ብዝብል ዝፍለጥን ስርቂ ከወግድ ዝተጣየሸን ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ክውገድ ይጠልቡ ኣለው።
እቲ ጉጅለ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ከም ዝፍጽም፣ ንዜጋታት ከም ዘሳቕን ከም ዝቐትልን ተቓወምቲ ይገልጹ።
ሪሃና፣ ካንየ ዌስትን ኒኪ ሚናጅን ካብቶም ኣብ ናይጄሪያ ፖሊስ ዝፍጽሞ ግፍዒ ጠጠው ክብል ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ ዝድግፉ ፍሉጣት ሰባት’ዮም።
ግን ድማ፡ እቶም ተቓወምቲ ብቢዮንሴ ሕጉሳት ኣይኮኑን። ንምንታይ?
እቶም ኣንጻር ጭካነ ፖሊስ ተቓውሞ ዘስምዑ ዘለው፡ ብሰሉስ ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ተቓውሞ ዘስምዑን ሃገራዊ መዝሙር ዝዝምሩን ዝነበሩ መናእሰይ ኣኪቡ ብምውሳድ ኣብ ልዕሊኦም ተኲሱ’ዩ ክብሉ እቶም ተቓወምቲ ይኸሱ።
እቲ ሰራዊት ግን “ስኑዕ ዜና” ክብል ይነጽጎ።
እንተኾነ እቲ ኣብ ናይጄሪያ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ ድሮ ኣብ መላእ ዓለም በጺሑስ ፍሉጣት ሰባት ደገፎም ይገልጹ ኣለው።
ፍሉጥ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ኮሜዲያን ትሬቨር ኖህ፡ “ልክዕ እቲ ኣብ ኣመሪካ ዝርኣናዮ፡ ፖሊስ ናይጄሪያ’ውን ነቲ ብዛዕባ ጭካነ ፖሊስ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ ዝኸፍአ ጭካነ ብምውሰኽ’ዩ ክኣልዮ ዝፍትን ዘሎ” ክብል ገሊጹዎ።
ካልኦት ዓለምለኻዊ ህቡባት ሰባት’ውን ርኢይቶ ሂቦምሉ’ዮም
ሪሃና፡ ብደም ዝጠልቀየ ባንዴራ ናይጄሪያ ኣብ ትዊተር ጠቂዓ።
ኒኪ ሚናጅ፡ ነቶም ተቓወምቲ ብቐጥታ ብትዊተር ኣብ ዘሕለፈቶ ናይ ደገፍ መልእኽቲ “ድምጽኹም ይስማዕ ኣሎ” ኢላቶም።
ቢዮንሴ ከኣ መጺኣ።
በቲ ናይ ሰናይ ተግባር ትካላ ቤይጉድ ኣቢላ ኣብ ዘሕለፈቶ መልእኽቲ፡ “ኣብ ናይጄሪያ ብዛዕባ ዝፍጸም ዘሎ ትርጉም ዘይብሉ ጭካነ ሓዚነ’የ። ኣገልግሎት ጥዕና፣ መግብን መዕቆብን ንምሕጋዝ ምስ ተሓጋገዝቲ ኣካላት ንሰርሕ ኢና ዘለና” እያ ግን ኢላ።
እዚ፡ ጽቡቕ ኣይገብርክን ዘብላ ኮይኑ።
“ቢዮንሴ ጠሚና ኢና ዝበላ ኣሎ ድዩ?” ክብል ፍሉጥ ዲጂታላዊ መሃዚ ስራሕ ፓፒ ጃይ መልሲ ሂቡ።
ካልእ ድማ፡ “ነዛ ሰብ ከም ዘይጠማ ዝነግራ ሓደ ሰብ’ዶ የለን???? ንሕና ብዛዕባ ህላወ ኢና ንቃለስ ዘለና” ዝብል መልሲ ሂባታ።
ናይጄሪያውያን ተጠቀምቲ ትዊተር ብጽሑፍ ብዮንሴ ቁጥዕኦም ዝገለጹ ኮይኖም፡ ብዮንሴ ድኻታት እዮም ኢላ ምሕሳባ የሕዝን ኢሎም።
ኣብ መጀመርታ፡ እቶም ነዚ ናዕቢ ዝጀመሩ ናይጄሪያውያን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝተንጠልጠሉ’ዮም ክብላ መራኸብቲ ዜና እታ ሃገር ይገልጻ ነይረን።
ድሒሩ ግን እቲ ተቓውሞ፡ ብማሕበራዊ ሚዲያ ብዝግበር ጎስጓስ እናተመርሐ ዝተሓዋወሰ ማሕበራዊ ደረጃ ዘለዎም ሰባት ዝሳተፍሉ ኮይኑ ኣሎ።
እቶም ተቓወምቲ፡ ንዝገብሩዎ ምንቅስቓስ ንምሕጋዝ ዓርሶም ገንዘብ ብምትእኽኻብ ቐጻሊ ዝኾነ ዓመጽ የካይዱ ኣለው።
ስለ ዝኾነ ድማ ኣብታ ሃገር ዘሎ ጭካነ ፖሊስ ጎሊሑ ክስማዕን ለውጢ ክመጽእን ከም ዝደልዩ ይግለጽ።
እቲ ኣብ ናይጄሪያ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ ብርክት ዝበሉ ፍሉጣት ሰባት ዓለም ዝድግፉዎ ዘለው ኮይኑ፡ ከም ህቡብ ተዋሳኢ ጆን ቦይጋ፣ ተጻዋቲ ጋንታ ኣርሰናል ሜሱት ኦዚልን ራፐር ካንየ ዌስትን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ድጋፎም ብትዊተር ገሊጾም’ዮም።
ኣብ ትዊተር ልዕሊ1 5 ሚሊዮን ተኸተልቲ ዘለውዋ ብዮንሴ ድሕሪ ዝጽሓፈቶ መልእኽቲ ግን፡ እቲ ኣብ ሌጎስ ክካየድ ዝቐነየ ሰላማዊ ተቓውሞ ናብ ደማዊ ተቐይሩ’ዩ።