ኣብ የመን ዝተዓገቱ ኣመሪካውያን ብመስርሕ ምቅይያር እሱራት ተፈቲሖም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ የመን ብዕጡቓት ሑቲ ተዓጊቶም ዝጸንሑ ክልተ ኣመሪካውያን፡ ብመስርሕ ምቅይያር እሱራት ከምዝተፈትሑ ተፈሊጡ።
ንናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ስራሕቲ ተዋፊራ ዝነበረት ሳንድራ ሎሊ ንሰለስተ ዓመታት፡ ከምኡ ድማ ኣብ ንግዲ ዝነጥፍ ማይክል ጊዳዳ ንሓደ ዓመት ተዓጊቶም ጸኒሖም።
ትማሊ ከምዝተፈነው ድማ ሰበስልጣን ኣሜሪካ ኣፍሊጦም።
ካልእ ተዓጊቱ ከሎ ናይ ዝሞተ ቢላል ፋቲን ዝተባህለ ሰብ ኣስከሬን ድማ፡ ናብ ሃገሩ ክምለስ ተገይሩ'ሎ።
እቲ ምቅይያር እሱራት ዝተፈጸመ፡ ዓመጽቲ ሑቲ ልዕሊ 200 ዜጋታት የመን ኣብ ኦማን ከምዝተቐበሉ ምስሓበሩ'ዩ።
ብዙሓት ሃገራትን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ነዚ ምቅይያር እሱራት ክጽበይኦ ከምዝጸንሓ ይግለጽ።
እዚ ተግባር ንግዚኡ'ውን እንተኾነ ኣብ ሞንጎ ብስዑዲ ዓረብ ዝድገፍ መንግስቲ የመንን ዓመጽቲ ሑቲን ምርድዳእ ፈጢሩ'ሎ።
ንጉስ ኦማን - ሱልጣን ሃይታም ቢን ታሪቕን ንጉስ ስዑዲ ሳልማንን ንዝገበርዎ ምትሕብባር ዘመዝገነ ኣማኻሪ ብሄራዊ ድሕነት ኣሜሪካ ሮበርት ኦብራያን፡ ፕረዚደንት ትራምፕ'ውን ተሳትፎ ከምዝነበሮ ሓቢሩ።
ወሃቢ ቃል ሑቲ ሞሓመድ ዓብዱሰላም ብወገኑ፡ ዛጊድ ከባቢ 240 የመናውያን ከምዝተመለሱ ብትዊተር ገሊጹ።
ኦማን ንዝገበረቶ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘመስገነ እቲ ወሃቢ ቃል፡ ብዛዕባ እቶም ዝተፈነዉ ኣመሪካውያን ግን ዝበሎ ነገር የለን።
ዎልስትሪት ጆርናል ከምዝጸብጸቦ፡ ነቶም ዝተዓገቱ ኣመሪካውያን ናይ ምፍናው ልዝብ ብቅልጡፍ ክፍጸም ዝኸኣለ፡ እታ ሓንቲ ኣመሪካዊት ኩነታት ጥዕናኣ ናብ ዘሰክፍ ደረጃ ይበጽሕ ብምንባሩ'ዩ።
ኣብቲ ስምምዕ፡ ኣመሪካ ንየመን ሓገዝ ጥዕና ክትገበር ዝብል'ውን ከምዝርከቡ ተገሊጹ'።











![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
