ንምንጻል ደቡብ የመን ዝቃለሱ ሓይልታት፡ ርእሰ-ምሕደራ ኣዊጆም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
Published
ንምግንጻል ደቡብ የመን ዝቃለሱን 'መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ደቡብ' (STC) ብዝብል ዝበለጸ ዝፍለጡን ሓይልታት፤ ርእሰ-ምሕደራ ኣዊጆም።
እቶም ተቐለስቲ ሓይልታት እዚ ዝኣወጁ፡ ምስ'ቲ ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ዝተውሃቦ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ዝተፈራረሙዎ ስምምዕ ሰላም ብምፍራስ እዩ።
እቶም ኣብ ኣብ ዓደን ዝመደብሮም ሓይልታት፡ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ዝኣወጁ ኮይኖም፡ ንወደባዊት ከተማ ዓደንን ንኻልኦት ደቡባዊ ግዝኣታትን ከመሓድሩ ምዃኖም ኣዊጆም ኣለዉ።
እዚ ቤት-ምኽሪ ተቓለስቲ ሓይልታት፡ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝድገፍ እዩ።
እቲ ብስዑዲ ዓረብን መላፍንቱን ዝድገፍ መንግስቲ የመን ድማ፡ ነዚ ተግባር "ሓደገኛ ሳዕቤን ዘኸትል" ክብል ኣጠንቂቑ ኣሎ።
"እቲ 'መሰጋገሪ ባይቶ' ዝበሃል፤ ደቡባዊ ምምሕዳር ንምቛም ዘለዎ ውጥን ምግላጹ፡ ነቲ ገዲፍዎ ዝነበረ ዕጥቃዊ ምንቅስቓስ ምጅማሩ ዘርእይ እዩ። ካብቲ ናይ ሪያድ ስምምዕ ድማ ምሉእ ንምሉእ ስሒቡ'ሎ ማለት እዩ" ኢሉ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ መሐመድ ኣል-ሃድራሚ።
እቲ መሰጋገሪ ደቡባዊ ቤት ምኽሪ፡ ናጽነታ ዝኣወጀት ደቡባዊት ክፋል ከም ዝደልዪ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ኣብ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ሰበኣዊ ቅልውላው ዘስዐበ ኾይኑ፡ ዛጊድ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ብሰንኩ ሞይቶም እዮም።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
