ኲናት የመን፡ ዕጡቓት ሑቲ 'ብዙሓት ወተሃደራት ስዑዲ ማሪኽና' ኢሎም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ዕጡቓት ሑቲ፡ ኣብ ዶብ የመንን ስዑድን ገዚፍ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ንብዙሓት ወተሃደራት ስዑዲ ከምዝማረኹ ገሊጾም።
ኣብ ጥቓ ናጅራን እትበሃል ናይ ስዑዲ ከተማ፡ ሰለስተ ብርጌድ ሰራዊት ስዑዲ ኢዶም ከምዝሃቡ ውሃቢ ቃል ዕጡቓት ሑቲ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኣሸሓት ወተሃደራት ከምዝተማረኹን፡ ካልኦት ብዙሓት ከምዝተቐትሉን ገሊጹ። ሰብመዚ ስዑዲ፡ ብዛዕባ'ዚ ዝበልዎ የለን።
እቲ ውሃቢ ቃል ከምዝበሎ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ጀሚሩ ዘይተርኣየ ዓብዪ ወተሃደራዊ ወፍሪ እዩ ተኻይዱ።
ኮሎኔል ያሕያ፡ ወተሃደራት ስዑዲ "ዓብዪ ሰባውን ንዋታውን ኪሳራ ኣጋጢምዎም" ኢሉ።
እቶም ምሩኻት ብሰልፊ ኮይኖም፡ ሎሚ ሰንበት ኣብ ቴሌቪዥን 'ኣል ማሲራሕ' ከምዝቐርቡ ወሲኹ ሓቢሩ። እቲ መደብር ቴሌቪዥን ብዕጡቓት ሑቲ ዝመሓደር እዩ።
ዕጡቓት ሑቲ፡ ኣብ 14 መስከረም፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ነዳዲ ስዑዲ ብሰብ ኣልቦ ነፈርትን ተወንጨፍትን መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ይገልጹ።
ብኣመሪካ፡ ብሪጣንያ፣ ፈረንሳይን ጀርመንን እትድገፍ ስዑዲ ግን፡ ነቲ መጥቃዕቲ ኢራን እያ ፈጺማቶ ክትብል ከሲሳ እያ። ኢራን ድማ ኣይወዓልኩዎን እያ ትብል።
ድሕረ ባይታ ናይዚ ጎንጺ እንታይ እዩ?
ዕጡቃት ሑቲ ንፕረዚደንት ዓብደራቡሕ መንሱር ሃዲን ካቢኔኡን ካብ ከተማ ሰንዓ ካብ ዝሰጉዎም ካብ 2015 ጀሚሩ፡ የመን ኣብ ኲናት እያ ዘላ።
ዕጡቓት ሑቲ ንመብዛሕትኡ ሰሜናዊ የመን ተቖጻጺሮምዎ ይርከቡ።
ስዑዲ ንፕረዚደንት ሃዲ እያ ትድግፍ። ስዑዲ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ብኢራን ዝድገፉ ዓመጽቲ ሑቲ ምስ ካልኦት መላፍንታ እናኾነት ደብዳብ ነፈርቲ ተካይድ።
እቲ ብስዑዲ ዝምራሕ ልፍንቲ፡ ዳርጋ መዓልታዊ እዩ መጥቃዕቲ ኣየር ዘካይድ። ዕጡቓት ሑቲ ድማ፡ ብዙሕ ግዜ ናብ ስዑዲ ዓረብ ተወንጨፍቲ ይትኩሱ።
እቲ ኲናት ሓያል ሰብኣዊ ቅልውላው ዘስዓበ ኾይኑ፡ ዳርጋ 80 ምኢታዊት ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ የመን፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ይጠልብ። እዚ ማለት ልዕሊ 24 ሚልዮን ህዝቢ እዩ።
ካብዚኦም ድማ፡ እቶም 10 ሚልዮን፡ ካብ ረድኤት ብዝረኽብዎ መግቢ እዮም ትንፋሶም ዘሕድሩ።
ካብ 2016 ጀሚሩ፡ ብሰንኪ እዚ ጎንጺ ልዕሊ 70 ሽሕ ሰባት ከምዝሞቱ ይግመት።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
