እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ክርስትያኖ ሮናልዶ፡ ብኮሮናቫይረስ ተታሒዙ
Published
ኣጥቃዓይ ጋንታ ጁቬንቱስን ሃገራዊት ጋንታ ፖርቱጋልን ክርስትይኖ ሮናልዶ ብኮሮናቫይረስ ከምዝተታሕዘ ፌደረሽን ኩዕሶ እግሪ ፖርቱጋል ኣፍሊጡ፡፡
እቲ ኣብ ግጥማት፡ ሊግ ሃገራት ኣውሮጳ ዝሳተፍ ዘሎ ወዲ 35 ዓመት ሮናልዶ፡ ዝኾነ ዓይነት ምልክት ከምዘየርኣየን ንርእሱ ፈልዩ ክጸንሕ ናብ ገዝኡ ከምዝተመለሰን ተገሊጹ ኣሎ፡፡
ዝተረፉ ኣባላት እታ ብፈርናዶ ሳንቶስ እትምራሕ ፖርቱጋላዊት ጋንታ ግና ካብቲ ቫይረስ ናጻ ስለዝኾኑ ንሕርያ ይጽበዩ ኣለዉ፡፡
ኣብ ዝሐለፈ ሰንበት ኣብ ፓሪስ ምስ ፈረንሳ ዝገጠመት ፖርቱጋል ማዕረ ባዶ ምፍልላያ ዝዝከር እዩ፡፡