ኣብ ኤርትራ ሸውዓተ ሰባት ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም

Published
ኣብ ኤርትራ ሎሚ 8 ጥቅምቲ ብዝተኻየደ መርመራ ኮሮናቫይረስ 7 ሰባት እቲ ቫይረስ ከምዝተረኸቦም ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ሓቢሩ።
እቶም ኮሮናቫይረስ ዝተረከቦም ሰባት እቶም ሓሙሽተ ኣብ መወሸቢ ማእከል ሽላሎ፡ ሓደ ኣብ መወሸቢ ማእከል ኣዲባራ ዝጸንሑ ኮይኖም ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ሳምንታት ካብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ብፍኑው ናብ ኤርትራ ዝኣተዉ እዮም።
እታ ሓንቲ ድማ ቅድሚ 14 መዓልታት ብነፋሪት ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጸትን ኣብ መወሸቢ ማእከል ኣስመራ ተዓቚባ ዝጸንሐትን ምዃና እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ።
እቲ መግለጺ ብተወሳኺ 6 ኣብ ሕከምና ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ ሰባት ከምዝሓወዩ'ውን ገሊጹ።
ኣብ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ 405 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ ካብዚኦም እቶም 364 ምሉእ ብምሉእ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ከምዘተፋነዉ እቲ ሓበሬታ ይገልጽ።
ኣብ ኤርትራ 41 ሰባት ኣብ ሆስፒታል ተዓቒቦም ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሎም ከምዘሎ እዩ እዚ መግለጺ ዝሕብር።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
