ፓሪስ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኣብያተ መስተ ክትዓጹ እያ

ኣብ ፓሪስ ካብ ዝርከቡ ባራት እቲ ሓደ

ምንጪ ስእሊ, EPA

Published

ፈረንሳዊት ከተማ ፓሪስ፡ ካብ ሰሉስ ጀሚራ ኣብያተ መስተ ምሉእ ንምሉእ ክትዓጹ እያ።

ናይ’ዚ ምኽንያት ድማ፡ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ንተኸታተልቲ መዓልታት እናወሰኸ ብምምጽኡ እዩ።

እዚ ሓድሽ እገዳታት ንክልተ ሰሙን ዝጸንሕ ምዃኑ፡ ቤትጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ፈረንሳይ ኣፍሊጡ’ሎ።

ፈረንሳይ፡ ትማሊ ሰንበት ጥራይ፡ 12,565 ሓደሽቲ ብኮሮናቨይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ረኺባ'ላ።

ማርሲለ ዝተበሃለት ካልእ ከተማ ናይ’ታ ሃገር፡ ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብያተ መስተን ምግብን ዓጽያ እያ።

ኣብ ፈረንሳይ፡ ኩነታት ኮሮናቫይረስ “ልዑል ጥንቃቐ” ናብ ዘድልየኩ ብርኪ በጺሑ ኣሎ ዝበሃልን፡ ከም’ዚ ዓይነት እገዳታት ዝእወጅን፡ ካብ ነፍሲወከፍ 100,000 ሰባት እቶም ልዕሊ 250 ብኮሮናቫይረስ እንተተለኺፎም፡ ከምኡ ድማ፡ ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ክትትል ሕክምና ካብ ዝርከቡ ዓራታት እቶም 30 ምኢታዊት ብሕሙማት ኮቪድ-19 ክተሓዝ እንከለዉ እዩ።

ኣብ ከተማ ፓሪስ፡ ኣብያተ መስተ ክዕጸዉ እኳ እንተኾኑ፡ ኣብያተ ምግቢ ግን ተወሳኺ ጥንቃቐታት እናገበሩ ተኸፊቶም ክጸንሑ እዮም።

ኣብያተ መግቢ ግን ኣገልግሎት ክህባ እየን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ምግብን መስተን ብሓንሳብ ዘቕርቡ ትካላት ድማ፡ ናይ ሕድሕድ ዓማዊሎም ዝርዝር ኣድራሻ እናመዝገቡ ክሳብ ሰዓት ዓሰርተ (ኣርባዕተ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ) ናይ ምሸት ክኸፍቱ ይኽእሉ እዮም።

ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር፡ ሰባት ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ክሰርሑ ኣገዳሲ ምዃኑ’ውን ገሊጹ’ሎ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳይ ዠራልድ ዳርማኒን፡ ምዕጻው ኣብያተ መስተ ንፓሪሳውያን ከቢድ ምዃኑ እዩ ተዛሪቡ።

“ንሕና ፈረንሳውያን፡ ምስታይ፡ ምብላዕ፡ ምንባር፡ ፍሽክ ምባልን ምስዕዓምን ኢና ንፎቱ” ኢሉ።

መንግስቲ ፈረንሳይ፡ መሊሱ ብደረጃ ሃገር ዕጽዋ ክእውጅ ድልየት የብሉን፤ እንተኾነ፡ ኣብተን ኮሮናቫይረስ ብብዝሒ ዝራኣየለን ዘሎ ከተማታት ጥቡቕ እገዳት ከንብር እዩ።