ኣብ ኢትዮጵያ ምዝገባ ብረት ክጅመር ምዃኑ ተገሊጹ

Published

ቅድሚ ዝተወሰነ ኣዋርሕ ፓርላማ ኢትዮጵያ ዘጽደቖ ብረት ናይ ምምሕዳርን ምቁጽጻርን ኣዋጅ ንምትግባር ምንቅስቓስ ከምዝተጀመረ ሚኒስተር ሰላም ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ኣፍሪቃ ዘይሕጋዊ መሳርሒታት ኲናት ዘለዎም ሰባት ንዝምልከቶ ኣካል ዘፍልጡሉን ዘረክቡሉን ወርሒ ምኽንያት ብምግባር ሎሚ ሚኒስተር ሰላም ምስ ፖሊስ ፌደራል ብምትሕብባር፡ ምቁጽጻርን ምምሕዳርን መሳርሒታት ኲናት ብዝምልከት መግለጺ ሂቦም፡፡

ኣብቲ መግለጺ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ሕጋዊ ዘይኮኑ መሳርሒታት ኲናት ካብ ቀለልቲ ገበናት ክሳብ ተግባራት ግብረ ራዕዲ ከምዝፍጸመሎም፡ ሚኒስተር ሰላም ሙፈሪሃት ካሚል ገሊጻ፡፡

ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዘይሕጋዊ መሳርሒታት ኲናት ንምቁጽጻርን ሰላም ንምስፋንን ምስ ሕብረተሰብን ዝምልከቶም ኣካላትን እናተሰርሐ ከምዝጸንሐ ዝገለጸት እታ ሚኒስተር፡ ‘‘ ክሳብ ሕዚ ብዘሎ ኣሰራርሓ ዘይሕጋዊ መሳርሒ ኲናት ክቆጻጸሩ ዝግበኦም ትካላት ዝድለ ናይ ቴክኖሎጂ ሓገዝ የብሎምን’’ ኢላ፡፡

ኣብዚ እዋን ግና ነቲ ጉዳይ ፍሉይ ትኹረት ተዋሂብዎ ብደረጃ ፌደራል ዘለዉ ሰብሞያ ሰልጢኖም ኣብ ቀረባ እዋን ምዝገባ ከምዝጅመርን፡ ብተወሳኺ ኣብ ክልላትን ከተማታትን ዘለዉ ሰብሞያ ኣሰልጢንካ እቲ ኣዋጅ ሃገራዊ ተፈጻምነት ክህልዎ ከምዝግበር ተዛሪባ፡፡

ዕላማ እቲ ኣዋጅ፡ ልዕልና ሕጊ ተኸቢሩ ሰላምን ምርግጋእን ዝዓሰሎ ማሕበረሰብ ምግላጽ ከምዝኾነ ዝሓበረት እታ ሚኒስተር እንተዘይኮይኑ ግን ነንርእስኻ ንምጥፋእ በሪ ከምዝኸፍት ገሊጻ፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ 2004 (ኣውሮጳ) ናኣሽቱ ብረታት ናይ ምክልኻልን ምቁጽጻርን ስምምዕ (ፕሮቶኮል ናይሮቢ) ከምዝፈረመት ዝገልጽ ኣማኻሪ ሚኒስተር ሰላም ኣቶ ሚናስ ፍሳሃ፡ ንነዊሕ ዓመታት ሕጊ ዘይብላ ከምዝጸንሐት ይዛረብ፡፡

ኮይኑ ግና ኣብ ታሕሳስ 2012 ቁጽጽር መሳርሒታት ኲናት ኣዋጅ 1177/2012 ከምዝወጸ ብምሕባር፡ ናብ ተግባር ንምቕያር መምርሒታትን ኣዋጃትን ከምዝተዳለዉ ገሊጹ፡፡

ብተወሳኺ ድሕነት ዜጋታት ምሕላው ግቡእ መንግስቲ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ግን ብሕጊ መሰረት መሳርሒ ኲናት ክሕዙ ከምዝኽእሉን ዝፍቀደሎም መን ምዃኖም ኣብቲ ሕጊ ከምዝተቐመጠን ተዛሪቡ፡፡

እቲ ምዝገባ መዓዝ ከምዝጅመር ግን ኣብቲ መግለጺ ኣይተሓበረን፡፡