ፖለቲካ ኢትዮጵያ፡ ጠበቓታት በዓል ጃዋር ምፍርራሕን ጸቕጥን ይበጽሖም ከምዘሎ ኣፍሊጦም

Published

ጉዳይ ናይቶም ብድሕሪ ቅትለት ተወላዲ ኦሮሞ ዝኾነ ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ መራሕትን ኣባላትን ፖለቲካዊ ውድባት፡ ከምኡ'ውን ካልኦት ተጠርጠርቲ ዝከታተሉ 13 ጠበቓታት፡ ምፍርራሕን ጸቕጥን ይበጽሖም ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ምኽትል ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኣይተ ፍቃዱ ጸጋ ብወገኑ "[እቶም ጠበቓታት] ንመሰል ተኸሰስቲ ዝከራኸሩ እዮም። ስለዚ ኣብ ሓቅነት እቲ ዝቐረበ ጥርዓን ጥርጣረ ኣለኒ" ዝብል መልሲ ሂቡ።

ተወካሊ ናይቶም ሰብ ሞያ ሕጊ ዝኾነ ኣይተ ምስጋን ሙለታ፡ ካብ ሞንጎ እቶም ጠበቓታት ገሊኦም፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ዝበጽሖም ዘሎ ጸቕጥን ምፍርራሕን እናወሰኸ ምምጽኡ ሓቢሩ።

ንሱ ኣብ ልዕሊኡን ካልኦትን መሳርሕቱን ከምዚኦም ዝበሉ ጸገማት የጋጥሙ ከምዘለዉ ንዘቕረቦ ክሲ መሰረት ብምግባር ቢቢሲ ንዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኣዘራሪቡ'ዩ።

ምኽትል ዋና ዓቃቢ ሕጊ ኣይተ ፍቃዱ ጸጋ ድማ፡ እቶም ጠበቓታት ኣጋጢሙና ብዛዕባ ዝብልዎ ዘለዉ ጸቕጥታት ብዝምልከት ናብ ቤት ጽሕፈቶም ዝቐረበ ሓበሬታ ከምዘየለ ገሊጹልና።

"ብዛዕባ እቲ ዝበሃል ዘሎ ሓበሬታ የብለይን። ንሳቶም ሰብ ሞያ ሕጊ እዮም፤ ስለዚ ከምዚ ዝበለ ጸገም ከጋጥሞም ከሎ ነየናይ ኣካል ክሕብሩ ከምዘለዎም ይፈልጡ እዮም። ክሳብ ሕዚ ግን ዝበጽሓና ጥርዓን የለን" ኢሉ።

ተወካሊ ናይቶም ጠበቓታት ብወገኑ "ብሞያና ንዓማዊልና ወኪልና ስለዝተኸራኸርና ካብ ቀረባ እዋናት ናብዚ ኣብ ልዕሌና ዝበጽሕ ምፍርራሕን ጸገማትን እናሓየለ መጺኡ'ሎ" ክብል ኣረዲኡ።

"ሓደ መዓልቲ ኣብ ከተማ ቡራዩ ንሓደ ተኸሳሲ ተኸራኺረሉ ምስወጻእኹ ፖሊስ ጸዊዑኒ። ካብኡ ናብ ቤት ጽሕፈት'ቲ ብፖሊስ ዘጸውዓኒ ሰብ ምስኣተኹ እናተጻረፉን ዘይግቡእ ቃላት እናተጠቐሙን ስልከይ ተቐቢሎም ክፍትሹ ጀሚሮም። ሸኔ [ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝገብር ዘሎ ኣካል ኦነግ ዝነበረ ሓይሊ] ኢኻ ኢሎም ኣሲሮም ኣንከላቢቶምኒ" ክብል ኣብ ልዕሊኡ ንዘጋጠሞ ብኣብነት ጠቒሱ።

ናብ ኣዲስ ኣበባ ጣብያ ፖሊስ ኣራዳ ዝኸዱ ካልኦት ኣባላት ጠበቓታት በዓል ጃዋር፤ ሓደ በዓል ሞያ ሕጊ ሽጉጥ ኣውጺኡ ከምዘፈራርሖም'ውን ወሲኹ ኣዘኻኺሩ።

"ብምኽንያት'ቲ ዝበጽሖም ዘሎ ማእሰርቲ፣ ምንሻው፣ ምንክልባትን ምፍርራሕን፡ ንዝነብሩሉ ዝነበሩ ከባቢ ክሳብ ምግዳፍ ዝበጽሑ ጠበቓታት ኣለዉ። ስለ'ዚ ኣብ ልዕሌና ርኡይ ዝኾነ ስነልቦናዊ ጸቕጢ እዩ ዝፍጸም ዘሎ" ኢሉ ምስጋን።

ምኽትል ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኣይተ ፍቃዱ "ክሳብ ሕዚ ጠበቓታት ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ንዓማዊሎም ብነጻነት ክከራኸሩ ኢና ንርእይ። ከምዚ ዝበለ ቅሬታ እንተሃልይዎም ግን ኣብቲ ፍርዲ ብምቕራብ ንኽእረም ክሓቱ ይኽእሉ እዮም" ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።

እቲ ዝበሃል ዘሎ ነገር ኣጋጢሙ እንተኾይኑ "ኣብ ልዕሊ ጠበቓታት ዝበጽሕ ጽዕንቶ ብዝኾነ ይኹን መዐቀኒ ተቐባልነት የብሉን" ኢሉ።

ኣስዒቡ ድማ "ውልቀሰብ ነዚ ተግባር ክፍጽም ይኽእል እዩ። ብደረጃ ቤት ጽሕፈት ግን ከምዚ ዝበለ ተግባር ክፍጸም ይኽእል'ዩ ኢለ ኣይግምትን። ተፈጺሙ እንተኾይኑ ከኣ ከቢድ ገበን'ዩ" ክብል ኣረዲኡ።

ዝኾነ ይኹን ጠበቓ 'ኣብ ልዕለይ ተፈጺሙ' ዝብሎ ጸቕጢ ኣብ ዝህሉን ጭቡጥ መረዳእታ እንተሃልይዎን ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ብምውሳድ ክሱ ከቕርብ ከምዝኽእል ኣይተ ፍቓዱ ኣዘኻኺሩ።